ካብ ካምፓላ ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ናይ ኡጋንዳ ፕረሲደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢንተበ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን በይናዊ ርክብ ከምዘካየዱን፡ ኣብ ጸጥታውን ቁጠባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን ሓቢሮም።
`ዑደት ኡጋንዳ ተነጽሎ ንምሕዋይ ድዩ? ንኣልሸባብ ትድግፉ ስለዝብሃል፡ ምስ ሙሰቪኒ ዝርርብ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ወይ ቀሊል ክኸውን`ዩ` ዝብል ሕቶታት ቀሪቡሎም ኔሩ ንኣቶ የማነ።
ኡጋንዳ ናብ ሶማሊያ ምእታዋ ንኤርትራ ከምጸገም ክርኣይ የብሉን ዝበሉ ኣቶ የማነ፡ ጸገም ሶማልያ ዝፍታሕ ብፖሊታካዊ መስርሕ ጥራይ ኢዩ ዝብል መርገጽና ብመራሕቲ ኣፍሪቃ ይኹን ዓለም ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።
ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ብምልኡ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡