ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ኣብ ህንጸት ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ምትዕንቓፍ ይፈጥር’ዩ ንዝብል ፕረ. ኢሳያስ አሉታዊ መልሲ ሂቦም


ኤርትራ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ምስ ግብጺ ዝምድና ምሕያላ፡ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ናይ ኢትዮጵያ ህዳሴ ግድብ ምትዕንቓፍ ክፈጥር ይኽእል`ዩ ንዝብል ጸብጻባት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መሰረት ዘይብሉ`ዩ ብምባል ኣሉታ ሂቦምሉ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ንህዳሴ ግድብ ንምፍራስ ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ናይ ቤንሻንጉል ዕጡቓት ከምዝማረኹን ዝሞቱን ጌርናዮም ኢሎም ኔሮም`ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝሓለፈ ሰንበት ብምኽንያት መበል 26 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ናይ ህዳሴ ግድብ ምውቃዕ ዝብል ኣተሓሳስባ ካበይ ከምዝብገስ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን ኢሎም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣተሓሒዞም፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ኤርትራ ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ ምሕዝነት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን`ቲ ዞባ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ`ዩ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ብዛዕባ`ቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝተገልጸን፡ ንኤርትራ ዝምልከት ሓዲሽ ፖሊሲ ነውጽእ ኣለና ዝብልን መግለጺ ዝተሓተቱ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ካብ ግጉይ ስትራተጂ ንምውጻእ ዝግበር ፈተነ`ዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ`ቲ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳያትን ተነጺፉ`ሎ ዝበልዎ ዓበይቲ መሰረተ-ልምዓታትን`ውን ተዛሪቦም ኔሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG