ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘለናዮ መድረኽ ንሃገራዊ ምርጫ ቀዳምነት ዝህብ ኣይኮነን - ፕረሲደንት ኢሳያስ


Eritrean President Isaias Afewerki being interviewed by VOA`s Tewelde Weldeghebriel, 2009
Eritrean President Isaias Afewerki being interviewed by VOA`s Tewelde Weldeghebriel, 2009

ንስደት መሪጾም ንዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ መንእሰያት፡ እንተተመሊሶም ጽንጽያ ዓይኖም ዘንፍረሎም የለን`ውን ኢሎም

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ቃለ-መጠይቕ ዝገበሩ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራ ኣብዚ እዋን`ዚ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ቀዳምነት ከምዘይትህቦ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣብ ስደት ዝተፈላለየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት እናሕለፉ ዝነብሩ መንእሰያት፡ ክሳራታት ናይ ሃገር`ዮም ዝበሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ “ንሕና እቲ ዝግባእ ሃዋህው ክሳብ ዘይፈጠርና፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክቕልቀል ምዃኑ ከገርመና የብሉን” ኢሎም።

ዝምለሱ መንእሰያት ዝኾነ ይኹን ስግኣት ከይሓድሮም ምእንታን፡ ውሕስነት ዝህብ ኣገባብ ሕጋውነት ክተልብሶ`ውን ዘጸግም ኣይኮነን ኢሎም። ኣተሓሒዞም፡ ናብ ዓዶም ንዝምለሱ መንእሰያት ክኣስርን ከሳቕን ስልጣን ዝተዋህቦ ወገን የለን ኢሎም፡

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG