ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መሬት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ጠንቁ ዝተረበጸ ውጥን ዋሺንግተን`ዩ ይብሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ


ወሃቢት-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብኦ ምላሽ ግን፡ ኣመሪካ ኣብ`ቲ መጥቃዕቲ ኢድ ኔርዋ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ `ዩ ኢለን

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ተጻብኦ ሸርሕታት ክዕወት ስለዘይከኣለ ዝሰዓበ ኩነታት`ዩ ይብሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ብተወሳኺ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻባእቲ ኣረባጺ ስንብራት እናገደፈ ከምዝመጸን፡ ንዕደናታት ወርቂ ንምኹላፍ ክግበር ዝጸንሐ ፈተናታት ስለዘይሰርሐን`ዩ ነዚ ናይ ምርባጽ መንፈስ ኣስዒቡ ኢሎም።

ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክባት ይግበር ኣሎ ዝብል ወረ ዝተሓተቱ ፕረሲደንት ኢሳያስ “ ዝተጀመረ ርክባት የለን፡ ወላ`ውን ዝጅመር ርክባት ክህሉ ኣይኮነን ብድሕሪ ሕጂ” ኢሎም።

ምሉእ ጸብጻብና ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG