ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ናይ 12 ኽፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወሲዶም ልዑል ነጥቢ ንዘምጽኡ ልዕሊ 1000 ተማሃሮ ናይ Laptop Computer ሽልማት ዓዲሎም


President Isaias Afewerki Awards Students
President Isaias Afewerki Awards Students

ሎሚ ዘመን ልዕሊ 3.6 ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ 1044 እዮም። ካብዚኦም እቶም 253 ምሉእ ነጥቢ ማለት 4 ዘምጽኡ`ዮም። ብሰሉስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቀጽሪ አክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ተማሃሮ ንዝተዳለወሎም ናይ Laptop ኮምፒተርን ገንዘብን ሽልማት፡ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ምንስተር ትምህርቲ ሰመረ ርእሶምን ተቐቢሎም። ሎሚ ዘመን እቶም 4ተ ነጥቢ ዘምጽኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም 3.6ን 3.8ን ዘምጽኡ ኸይተረፈ ናይ Laptop ኮምፒተርን ገንዘብን ሽልማት ምርካቦም ካብቲ ዝሓለፈ ፍልይ ዘብሎ`ዩ ኔሩ።

ክሳብ ዝሓለፈ 2007 ዓ.ም፡ 4ተ ነጥቢ ዘምጽኣ ደቀንስትዮ ኣይነብራን፡ ሎሚ ዘመን ግና 65 ደቀንስትዮ 4ተ ነጥቢ ኣምጺአን።

እዚ ንተማሃሮ ዝወሃብ ሽልማት ብሽልማት ዛግረ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዓመታዊ ዝዕደል`ዩ።

ኣስመራ ትርከብ ሰናይት ሃብቱ ዝለኣኸቶ ምሉእ ጸብጻብ ንምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG