ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ቀዳምነት ሰሪዓ ትዛረበሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ዩ-ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ


ኤርትራ ንልዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ሰሪዓ ትዛረበሉ ጉዳይ- ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ዩ ክብሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ገሊፆም።

ጉዳይ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ዝተባህሉ እንግሊዛውያን'ውን ሓደ ካብቲ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ዶብ ክንርስዕ ዝግበር ህቃነታት'ዩ፡ ይኹን'ምበር ኤርትራ ንዕኦም ብዝምልከት ካብ ሕጊ ወፃኢ ስጉምቲ አይተወስድን'ያ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መሓውራት ዜና ኤርትራ ቃለ-መጠይቅ ዝገበሩ ፕረዚደንት ኢስያስ አፈወርቂ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቅን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ናይ ደገ ምትእትታው ዝፈጠሮ ዕልቅልቅ'ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብዛዕባ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ሃብቲ ማይ ኣብ ረብሓ ኹሉ ህዝብታት ክውዕል ምእንቲ ኣብ ሓደ መአዲ ኮፍ ኢልካ ምርድዳእ ከምዘድሊ ገሊፆም፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክጥቀመሉን ዓይነት ህይወቱ ከመሓይሸሉን መሰሉ'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG