ፖሎቲካዊ ጉዳይ ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ክሕደግ ዘለዎ ጉዳይ'ዩ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ ካብ ውሽጢ ኤርትራ'ዩ ፡ እቲ ካብ ኣብ ደገ ዘለው ተቃወምቲ ዝመፅእ፡ ደገፍ ጥራይ'ዩ ክኸውን ዝኽእል ክብሉ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ተዛሪቦም።

ምስ ዝተፈላለዩ አረአእያን እምነትን ዘለዎም ሙሁራት ኤርትራውያን ብዝጀመርናዮ መደብ መሰረት ዝቐረቡ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ዝኾነ ተቃዋሚ ሓይሊ አብ ሃገሩ ለውጢ ንኸምፅእ ክፅዕር ኸሎ ብመሰረቱ ተአማንነቱ ኣብ ህዝቡ ክሕድር ይግበኦ ኢሎም።

ዶ/ር አስፋው ተኸስተ ካብ አሜሪካ፡ አቶ ዓብደራሕማን ሰይድን አቶ ሱሌማን አደም'ን ኸአ ካብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ከምዝበልዎ ካብ ወፃኢ ብዝመፅእ ብፍላይ ኸአ ብሰንኪቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ጉዳይ ዶብ ገና ዘይተወደአ አብ ዘለሉ ፅግዕተኛ ናይ ኢትዮጵያ ምምሳል ነቲ ተቃዋማይ ሓይሊ የድክሞ ደአም'በር አየሐይሎን'ዩ ኢሎም።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ኩነታት ኤርትራን ከምኡ'ውን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ አኼባታት ኤርትራውያንን ከምኡ'ውን ኣብ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራውያን ዘሎ መርገፅ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ እቲ ተቃውሞ ደምበን ብዝምልከት ርኢቶኦምን እምነቶምን ተዛሪቦም'ለው።

ትማሊ ቀዳማይ ክፍሊ ቀሩቡ ኔሩ። ሎሚ ኸአ 2ይ ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ'። ንምስምዑ ናብቲ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ