ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2ይ ክፍሊ ክትዕ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ: ኣብ ልዕሊ'ቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣውፂአዮ ትብሎ ሓዲሽ ስትራቴጂ


ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ስርዓት ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅያር ህዝቢ ኤርትራ ዓቅሚን ኽእለትን ኣለዎ' ዩ ስለዚ ኻልኦት ክንቅይረልካ ኢሎም ከይጋገዩ ክብሉ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተዛሪቦም።

እዚ ማለት ግን ሓገዝ አይንደልን ኢና ማለት አይኮነን ግን ስክፍታና ጎረባብቲ ብሌላን ጉሌላን ብብሄርን ብሃይማኖትን ምፍልላይ ከይሕግዛ'ዩ ክብሉ'ውን ወሲኾም።

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ነዚ ዝበሉ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀረባ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኤርትራ ብዝምልከት ሓዲሽ ስትራቴጂ ኣውፂና ዝበልዎ ምስ ኣቦ-መንበር ጥምረት ገለ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ኪዳን አቶ ተወልደ ገብረስላሰ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቀሪቦም ኣብ ዘካየድዎ ክትዕ'ዩ።

ኣቦ-መንበር ጥምረት ገለ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ኪዳን አቶ ተወልደ ገብረስላሰ ዝጊድ ውድብና ብዛዕባ'ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ አቶ መለስ ዜናዊ ዝተገልፀ ኤርትራ ዝምልከት ሓዲሽ ስትራቴጂ ብቀጥታ ብወታሃደራዊ ሓትሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራ ክቅይር'ዩ ዝብል ኣረዳድአ የብልናን ኢሎም።

ኣቶ ተወልደ ኣብዚ ዘረበኦም ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእሱ ንምክልኻል ብዝዓዘዘ ክሰርሕዩ ደንበ ተቃውሞ ነቲ ስርዓት ንምቅያር ንዝገብሮ'ውን ምድግጋፍ ከዕዝዞ'ዩ ዝብል ምርዳእ'ዩ ዘለና፡ ግን ብቀጥታ ብሓይሊ ንመንግስቲ ኤርትራ ምቅያር ዝብል ኣይንድግፎን ኢሎም።

አቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ብወገኖም ኸአ እቲ ዝተባህለ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ንምቅያር ዘድሊ ኹሉ ክንጥቀም ኢና ዝብል ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝሕውስ ምኻኑ ንፁር'ዩ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት'ውን ዘሰክፍ'ዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም እዚ' ኸአ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ኣይጠቅምን ዘላቂ ሰላም ከምዘየምፅእ'ውን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምቅያር መስል ናይ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ክፋል

ካልኣይ ክፋል

XS
SM
MD
LG