ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2ይ ክፋል፡ኣብ መንጎ ወኪል ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ወኪል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ ክትዕ


ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተባህለ ተቃዋሚ ኣካል ኤርትራ እቲ ኣብ አዲስ አበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝመዘዞ'ዩ።

እቲ ኮሚሽን 53 ኣባላት ዝርከብዎን እንተነውሐ 18-እዋርሕ ዕድመ ዘለዎዩ። ፀብፃቡ ኸአ ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዘቅርብን'ዩ ክብል ኣብ ኣሜሪካ ናይቲ ኮሚሽን ወኪል አቶ ሃይለማርያም ተስፋሚካኤል ተስፋይ ካብ ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ተዛሪቡ።

ወኪል'ቲ ናይቲ ኣባል'ቲ ኪሚሽን ዘይኮነን ካብ ኪዳን ከምዝወፀን ኣብ ቀረባ ዝገለፀ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰደህኤ አቶ አለም ዮውሃንስ ካብ ቨርጅንያ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ብወገኑ እቲ ኮሚሽን ኮነ ዋዕላ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳተፈ ስለዘይኾነ ንኹሉ ዘሳትፍ ካልእ ዋዕላ ክግበር ኣለዎ ዝብል መርገፂ ሰልፉ ተዛሪቡ'ሎ።

ኻብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ ካልኣይ ክፋል ክትዕ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ፡

ኻልኣይ ክፋል

XS
SM
MD
LG