ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ስምፖዚየማት ኣካይዱ


ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተብሃለ ውድብ ኣብዝሓለፉ ቀዳምን ሰንበትን ሲምፖዝየማት ኣካይዱ ኣሎ።ኣብቶም ሲምፖዝየማት ብኤርትራዊያን ምህራንን ብሓደ ጋናዊ ምሁርን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዝቐረቡ ምኽትል ኣቦመንበር ውዳበ እቲ ኮምሽንን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቦመንበር እቲ ኮምሽንን እቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ገሊፆም ኣለው።

ኣብዋሽንገተን ዲሲ ብዛዕባ መሰጋገሪ ሰነድ ንምምይያጥ ኣብዝተኻየደ ናይ ትማሊ ሰንበት ኣኼባ ተረኺብና ብዛዕባ መሰጋገሪ ሕገ መንግስቲ፡ሓባሪ መንገዲ፡ፖለቲካዊ ቻርተርን ናይቲ ኮንግረስ ቅርፅን ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ሰባት መፃናዕታዊ ፅሑፋት ቐሪቦም እቶም ከባቢ ሓምሳ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ተመያይጠምሉ ኣለው።ብዛዕባ ናይ ክልቲኦም ማዕልታት ኣኼባን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ኣተሓባበርቲ እቲ ኣኼባ ንዝኾኑ ዘዘራረብናዮ ኣድምፁ።

XS
SM
MD
LG