ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቡር ምሕዝነት ንጉዳይ ዶብ ክፈትሖ ይኽእል`ዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚንስተር መለስ


Ali Abdu
Ali Abdu

ሰበስልጣን ኤርትራ ግን ከብድና ዝበልዓና ዘረባ ኣይኮነን ይብሉ

ኣቶ መለስ ኣብ ዘረብኦም፡ “ኣይንቀያየርን፡ ነብስ ወከፍ ገዛ ትበተኽ እንተኢሎም ትበተኽ ክትብተኽ ትኽእል`ያ ጸገም ኣይፈጥርን” ኢሎም ጉዳይ ብዘተ ክፍታሕ ከምዝኽእል ከረድኡ ኸለዉ። ኣተሓሒዞም፡ “ክንፍጽሞ እንተኾይና ግን፡ መወዳእታ ናይዚ ሰላም ክኸውን ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኖርማላይዘሽን ቅሩብ ምዃኑ እንተኣረጋጊጹልና፡ ነታ ዶም ጽባሕ ክንውድኣ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ምንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ነዚ ምላሽ ክህብሉ ኸለዉ፡ ኣቶ መለስ፡ ባድመ ንኢሰያስ ኢየ`ምበር ንዓኹም ጀባእ ክብለኩም ድሉው`የ ዝዓይነቱ ዘረባ፡ “ኣብ ኤርትራ ዓባይ ሰዓል እንተተርፈስ ገለ ጉንፋዕ እንተተላዕለ ብዝብል`ዩ ዝዛረብ ዘሎ” ድሕሪ ምባል፡ ንባዕሉ እቲ ጉጅለ፡ ብዓሌታዊ ግጭትን ብልሽውናን ፖለቲካዊ ህይወቱ ዘብቅዐ ስለዝኾነ ብዛዕባ ሽግሩ እንተዝዛረብ ምሓሾ ኢሉ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለመጠይቕ ንምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG