ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድር ሺንግርዋ ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢይ ድርኺት ኣለዎ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ደያኑ ሽንግርዋ እግረ-መንገዶም ዝህብዎ ዝነበሩ ሞያዊ መኽርን ማዕዳን ኣብ ስነ-ጥበባውያን ለውጢ ከሕድር`ዩ`ውን ይብሉ

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር ሽንግርዋ ዝሓለፈ ሰሙን ኮኸብ ብምርካብ ተዛዚሙ`ሎ። ካብ ብሄረ ኩናማ ዝተወዳደረት መርየም ሻውሽ ኮኸብ ሽንግርዋ 2012 ኮይና ተዓዊታ`ላ።

ኣርቲስታት ሰላም ሃብቶም ካብ ኣስመራ፡ ተስፋይ ገብረዮሃንስ ካብ መቐለ፡ ብዛዕባ`ቲ ውድድር ሙዚቃ ሓያል ጎንን ድኹም ጎንን ኣልዒሎም ተላዚቦም ኣለዉ።

ንምስምዑ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG