ኤርትራ ናይ ኩነተ ሃገራዊ ጥዕንኣ ባጀላ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣይሓተተትን ዝበሉ ምንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ኤርትራ ብጹእነት ናጽነታን ሉዑላውነታን፡ ልምዓታን ዕብየታን፡ ሓድነታን ግስጋሰኣን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝበረኸን ዝደልደለን ባይታ ኣላ ኢሎም።
ውሽጣዊ ወጽዓን ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ተጻብኦታትን ንተነጽሎ ምኽንያት ኾይኑ`ሎ ንዝብል ርኢቶ ክምልሱ ኸለዉ፡ ጸብጻብ ICG ነቲ ብዓሎቕን ጠቐነን ከረጋግጽዎ ዝሃቀኑ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ተቓውሞን በዳሂ ሕቶታትን ስለዝገጠሞ፡ ኩሎም ኣንጻር ኤርትራ ዘንሳፈፉ ዓለል ሰለል ወይ ከኣ ባሉንስ ስለዝነፈሱ ፡ ዞባውያን ውድባት ከምዚ ኢለን፡ ትካል እገለ ከምዚ ኢሉ ወዘተ እናበልካ ሰላምን ርግኣትን ዞባና ንምህዋኽ ዘንቀደ ሓሸውየ፡ ወላ`ኳ ምሉእ ንምሉእ እናፈሸለ እንተኸደ፡ ክቕጽል ፀኒሑ`ሎ፡ እዚ ናይ ትማሊ ናይ ICG መግለጺ`ውን ካብኡ ዝተፈለየ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ፡ኤርትራ እናተነጸለት ትኸይድ ኣላ ንዝብል ገምጋም ICG ዳግም ተሓቲቶም ክምልሱ ኸለዉ፡ “ውድባት፡ ትካላት፡ ከደምቲ እንታይ በሉ ብዘየገድስ፡ ሃገራዊ ክብረትናን መሰልናን ዘውሕስ ሓያልን እናሓየለት እትኸይድን ዘይትድፈርን ዘይትንቕነቕን ሃገር ሃኒጽና ኣለና” ኢሎም።