ኣስመራ —
ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ዋላ`ኳ ልኡላዊ ግዝኣቶም ተጎቢጡ እንተሃለወ ብትዕግስቲ ልምዓታዊ ዕላማታቶም`ዮም ዘሰጉሙ ዘለው፡ ከምዚ ንዝበለ ኣጀንዳ ዘተኣናግድ ሸውሃት እውን የብሎም ይብል እቲ መግለጺ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሚንስትሪ ዜና ኣተሓሒዙ፡ ወያነ ብዝኽተሎ ዝምቡዕ ፖሊስታቱ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንቁጠባ እታ ሃገር ንምብሓትን ንህዝብታት ኢትዮጵያ ክኸፋፍል ጸኒሑ’ሎ ይብል ።