ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብበዳዊን ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነጻ አውጺኦም


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብበዳዊን ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነጻ አውጺኦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:18 0:00

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብበዳዊን ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነጻ አውጺኦም

ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ንሱዳን ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሓደ ጉጅለ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ብናይ ሱዳን ቤዳዊን ራሻይዳ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ተጨውዮም። ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቁጽጻር ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ድማ ነዞም ጉጅለ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ነጻ ምውጽኦም ይገልጹ።

እቶም ዝተጨወዩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነጻ ምውጽኦም ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን መዓልታዊ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ከምዝአትው ይገልጹ።

መብዛሕትኦም ንመዓልታት ካልኦት ድማ ንሰሙናት ብእግሮም ተጓዒዞም’ዮም ሱዳን ዝመጽሁ፡ ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዘሎ ንዓመታት ዝጸንሕ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምሕዳም ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ይገልጹ።

ሓላፊ ፖሊስ ከሰላ የህያ ሱሌማን ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ነዊሕን ዝተሓላለኸን’ዩ። ሱዳን ዋላ’ኳ ንዘለዋ ኩሉ መሳርሒ እንተተጠቒማ ንበይና ነዚ ዶብ ክትቆጻጸሮ ኣይኸአልን እዩ።ዓለምለኸ ሓገዝ የድልይ’ዩ።”

ሰብ ሞያ ብወገኖም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብሚሊዮናት ዶላር ዝቑጸር አታዊ ዘለዎ ንግዲ ኮይኑ’ሎ። ገለ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ናብ ሱዳን ንምስጋር ከምዝኸፈሉ ይገልጹ።

ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ከምዝነብሩ ይገልጹ ፡ መብዛሕትኦም ህልሞም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ክኸውን ኸሎ ናብ ሃገሮም ምምላስ ድማ እቲ ብጣዕሚ ዘስግኦም ጉዳይ’ዩ።

XS
SM
MD
LG