ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ሰሜን ጎንደር ካብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ካብቲ መዓስከር ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ስደተኛታት፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ዳባት ተታሒዞም ከምዝተኣሰሩን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሑ ሓቢሮም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር)፣ ካብ መዓስከር ኣለምዋጭ ሓሙሽተ ስደተኛታት ከምዝተኣሰሩ ምስኣረጋገፀ፣ ፍትሓዊ ፍርዲ ንክረኽቡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘራረብ ኣለና ኢሉ። ኣብዚ ጉዳይ፣ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ክልልን ፌደራልን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበረርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ