ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል አስራት ተሸላሚ ፔን ኢንተርናሽናል ኮይኑ


ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት
ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት

​​ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ኣማኑኤል ኣስራት ናይዚ ዓመት ተሸካሚ ፔን ኢንተርናሽናል ኮይኑ ኣሎ።ካልኦት ክልተ ማለት ግብጻዊ ዖማር ሃዘክን ቱርካዊ ካን ዱንዳርን እውን ተዓወቲ ሽልማት ፔን ኢንተርናሽናል ኮይኖም ኣለው።

እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዝሓለፈ 14 ጥሪ,2016 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድ ዝተካየደ ኮይኑ ክልተ ካብቶም ተሸለምቲ አብቲ ስነ-ስርዓት ብኣካል ክርኸቡ ኣይከኣሉን።

እቲ ሽልማት ኦክስፋም ኖቪብ ምስ ፔን ኢንተርናሽናል ብምትሕብባር ዝሃበ ኾይኑ ነቲ ስነ-ስርዓት ዘዳለዎ ኣብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ደረት- ኣልቦ ጸሓፍቲ ዝተባህለ ማህበር'ዩ።

ዳይሬክተር እቲ ትካል ቶም ደላንግሩሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ፔን ኢንተርናሽናል ኣብ ዓለም ሓሳብ ብነጻ ናይ ምግላጽ ንምትብባዕ ዝሰርሕ ኮይኑ ኦክስፋም ኖቪብ ድማ ነቶም ንነጻ ፕረስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ሽልማት ይህብ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል አስራት ተሸላሚ ፔን ኢንተርናሽናል ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:36 0:00

XS
SM
MD
LG