ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕላማ ዝገበረ ዋዕላ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ተኻይዱ


ኤሪስታር ዝተባህለ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመደበሩ ናይ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ናይ ስፖርት ክለብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕላማ ዝገበረ ዋዕላ ኣዳልዩ ኔሩ።

“ትበጽሖ ሸቶ ብምሕሳብ ጉዕዞኻ ጀምር” ዝብል ቴማ ሒዙ ዝተዳለወ እዚ ዋዕላ ልዕሊ 200 ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ከምኡ’ውን ወለዲ ተሳቲፎም ኔሮም።

ንኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንዝኣትው ተማሃሮ እኹል ምቅርራብ ንኽገብሩ ዝዓለመ ዋዕላ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ቤልትስቪል ሜሪላንድ ዝተኻየደ ዋዕላ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ተመሪቖም ኣብ ስራሕ ዘለው ገና ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ዘለው ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ተዋፊሮም ዘለው ሰብ ሞያ ተመክሮታቶምን ኣኻፊሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG