ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አውያት ርድኡና ኣብ በረኻ ሲና ተታሒዞም ዘለው መንእስያት


ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝደልዩን አብ በረኻ ሲና ተጨውዮም ሓፍ ዘይብል ገንዘብ ክኸፍሉ ብዛዕባ ዝሕተቱን መንእሰያት ቅድሚ ገለ አዋርሕ ሓደ መደብ ምቅራብና ይዝከር።

እቲ ኹነት ጠጠው አይበለን። ገና ከም ዓንኬል ኾይኑ ብቀፃሊ ይካየድ'ሎ።

እቲ ክኸፍልዎ ዝሕተትዎ ገንዘብ አብዚ እዋን'ዚ ናብ $25,000 (25-ሽሕ ዶላር) በፂሑ'ሎ።

እቶም መንእሰያት በብጉጅለታት ተገይሮም ኣብ አርባዕተ ቦታታት ተታሒዞም'ዮም ዘለው።

ገለ ካብቶም ኣብ አርባዕተ ጉጅለታት ተገይሮም ተታሒዞም ዘለው እቲ ዘለውሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕኽሕዩ ኢሎም።

እቶም ዛጊድ ብህይወት ዘለው ገንዘብ ዝሰደልና ሰብ አሎ ስለዝበሉ ምኻኖምን የብለይን ዝበሉ ሓደ ኣብ ቅድሚኦም ከምዝቀትልዎን ወሲዶም ኣበይ ከም ዘእተውዎ ከምዘይፈልጡን'ዮም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ደቀንስትዮ ይድፈራን ካብ ባሕርያዊ ወፃኢ ብዝኾነን ንምዝራቡ'ውን ብዘፀግም አገባብ ፆታዊ ግፍዕታት ይፍፀመን ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ንምስምዑ ናብቲ ምልክት ድምፂ ኸድኩም ስምዕዎ።

XS
SM
MD
LG