ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ጊዜ ሻንፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኮይኑ


ካብ 29 መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ኬንያ ክኻየድ ዝቐነየ ናይ 2024 ኣህጉራዊ ሻምፒዮን ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሃት-ትሪክ ዓወት ብምምዝጋብ ንሳልሳይ ጊዜ ተዓዋቲ ሻንፕዮን ኣፍሪቃ ቅድድም ብሽክለታ ኮይኑ። ሄኖክ ኣብ 2022 ኣብ ግብፂ ኣብ 2023 ድማ ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮን ብምዃን ተዓዊቱ እዩ።

ሄኖክ ነቲ ውድድር ብ 3 ስዓትን 46 ደቓይቕን 21 ሰኬንድን ብምዝዛም እዩ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ።

ኣብዚ ውድድር እዚ ኤርትራ 7 ወርቂ መዳሊያታት ሓሙሽተ ብሩርን ኣርባዕተ ነሓስን ረኺባ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG