ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ከፍልጥ ጻዊዒት ቀሪቡ


መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ብህጹጽ ሓበሬታ ክህብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይቲ ራፖርተር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪትሩት ጸዊዐን።

ሂማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ መሻርኽቲ ሃገራት ሃለዋቶም ክፍለጥ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ድፍኢቶም ከሐይሉ ጸዊዑ’ሎ።

ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዛ ፍልይቲ መርማሪት ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪትሩት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋቶምን ኩነታት ጥዕንኦምን ናይቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ዓ.ምን ቀጺለን ኣብ ዝነበሩ መዓልታትን ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ጋዜጠኛታትን ሓበሬታ ክህብ ጸዊዐን ኣለዋ።

ሚንስትራት፣ኣባላት ፓርላማን ነጻ ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ሰባት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ንነጀው ዝቐረቦም ክሲ የለን። መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብዛዕብኦም ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን። ኣበይ ከምዘለውን ኩነታት ጥዕንኦምን እውን ኣይፍለጥን ክብላ ተዛሪበን ።

‘’መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣሲሩዎም ዝርከብ ሰባት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ሓርነትን ደሕንነትን መሰሎም፣ ንመስቀይቲ ናይ ዘይምቅላዕ ነጻነቶም፣ብሚዛናዊ መንገዲ ናይ ምድናይ ከምኡ እውን ሓሳቦም ናይ ምግላጽ ነጻነቶም ነፊጉዎም’’ ይብላ ሚስ ኪትሩት።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሚስ ኪትሩት ኣባል ዝኾናሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ገበን ምፍጻሞም ዘእምን መርትዖ አሎ ክብል ደምዲሙ እዩ።

ናይቲ ኮሚሽን ሪፖርት ኣብ ዝቕጽል 27 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ከቐርብ እዩ።

ብኻልእ ዜና ን15 ዓመታት ኣበይ ከምዝኣተው ዘይፍለጥ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ንክተፍልጥ መሻርኽቲ ዝኾና ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ንኽገብራ ሂማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ።

11 ሰበስልጣን መንግስቲ፣10 ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ተቓወምትን ንኩሎም ብሓባር ዝገልጽ ሓደ ነገር እንተነይሩ ይብል መግለጺ ኣብ ሂማን ራይስት ዎች ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝከታተሉ ፌለክስ ሆርን፡ ንመሪሕነት ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅዋሞም እዩ ይብል።

ካብ መንጉኦም ዋላ ሓደ እውን ተራኢዩ ኣይፈልጥን፤ ብገበን ኣይተኸሰን፤ ናብ ፍርዲ እውን ኣይቀረበን ይብሉ። ምስ ዝኾነ ይኹን ንከይራኸቡ ተገይሮም፡ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ተኣሲሮም፤ ኣባላት ስድርኦም በጺሖምዎ ኣይፈልጡን፤ ንክፍትሑ ዝቐርብ ዓለምለኸ መጸዋዕታ እውን ተቐባልነት ኣይረኸበን ይብል እቲ መግለጺ ሁማን ራትስ ዎች። ካብ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲን ካልኦትን ዝተረኸበ ሓበሬታ ካብቶም እሱራት ብዙሓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ይገልጽ እውን ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ንዓለምለኸ ሬድዮ ፍራንስ /RFI/ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ እቶም እሱራት ብህይወት ኣለው ክብሉ ንኣባላት ስድራን ፈተውቶምን ተስፋ ሂቦም ነይሮም።

ኤርትራ ካብተን ንሰብኣዊ መሰላት ኣዚየን ዝግህሳ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ እያ ዝበለ እቲ መግለጺ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ንሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ኣውሮጳን ይሃድሙ ኣለው ይብል ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2001 ዓ.ም ዝተፈጸመ ማእሰርትን ቀይድን እቶም ውሩያት ፖለቲከኛታትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ደሕንነት ንዝፈጠሩዎ ስግኣት ንምምካት ዝተወስደ ግብረመልሲ እዩ ክብል ይግለጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽአል።

XS
SM
MD
LG