ኣስመራ —
እቲ ሓዲሽ መምርሒ ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ሰሙናት ብሓዲሽ ናቕፋ ክልወጥ ይጽውዕ። ድሕሪ`ቲ ዝተዋህበ ናይ ሽዱሽተ ሰሙናት ደረት ግዜ ዝተረፈ ባጤራ ናቕፋ ግን ካብ ወረቐት ሓሊፉ ትርጉም ክህልዎ ከምዘይክእል እቲ ኣዋጅ የጠንቅቕ።
ኣብ ምልዋጥ ግዜ`ውን ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ካብ ባንኪ ብጥረ ገንዘብ ምውጻእ ከምዘይክኣል፡ የግዳስ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾይኑ ኣብ ባንኪ ጥራሕ ምቕማጥ ከምዝክኣል እቲ አዋጅ ጠቒሱ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ አብዚ ይኸአል።