ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ `ድሩዕ `፡ ዓሪፉ እንተኾይኑ መንግስቲ ከፍልጥ ሓዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ `ድሩዕ `
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ `ድሩዕ `

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ `ድሩዕ `፡ ዓሪፉ እንተኾይኑ መንግስቲ ከፍልጥ ሓዉ ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣቶ ሰንጋል ከምኡ ዝበለ፡ `ድሩዕ ` ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዕራዒሮ ዓሪፉ ዝብል ብማሕበራዊ-መራኸብታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ`ዩ።

ኣቶ ሰንጋል ካብ ቦስተን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ሰባት፡ ን 17 ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ብዘይ ምብጻሕ ቤተሰብን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ምግባር፡ ካብኡ ዝኸፍእ ግህሰት ሰብኣዊ መሰለ የለን ኢሉ።

ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ኣብ ኤርትራ ጽገናዊ-ለውጢ ይገበር፡ ምርጫ ይካየድ፡ ብህዝቢ ዝጸደቐ ግን ትግባሬኡ ዝተወንዘፈ ሕገ-መንግስቲ ይተግበር ዝብል፡ ቅሉዕ መልእኽቲ ካብ መንጎ ዘውጽኡ ጉጅለ-15 ሓደ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2001 ካብ መንጎ ተታሒዞም ዝተኣስሩ 11 ሰበ-ስልጣን ሓደ`ዩ። ካብኣቶም ዛጊድ ዝወጸ የለን።

እቶም ሰበ-ስልጣን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝግበረሎምን፡ መብዛሕቲኦም ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ተባሂሉ ከምዝእመንን ዓለም-ለኸ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ። መንግስቲ ግን ዘረጋገጾ ነገር የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዖ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG