ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራት ኤርትራ ኣብ ወረዳታት ኢሮብ፣ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባን ታሕታይ ቆራሮን ን99 ሰባት ቀቲሎም ተባሂሉ


ወታደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ምብራቓዊ ዞባ ወረዳ ኢሮብ ን63 ሰላማዊያን ሰባት ከምዝቐተሉን 58 ኣባይቲ ከምዘቃፀሉን ንማሕበረሰብ ኢሮም ዝሕለቕ Irob Advocacy Association ዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ኣፍሊጡ።ኣብዚ ዞባ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ወታደራት ኤርትራ 16 ለካቲት 2013 ዓ\ም ንሽዱሽተ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝቐተሉ ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንቪኦኤ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ጣቢያ ጥራሕ ካብ 16 ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም 30 ደቂ ተባዕቲዮ ከምዝቐተሉ ኣባላት ስድርኡን መተዓብይቱን ዝተቐተሉዎ ሓደ መንእሰይ ንቪኦኤ ገሊፁ።

ነባሪነቱ ኣብከተማዓዲግራት ዝኾነ ናይ Irob Advocacy Association ኣቦ ወንበር ኣቶ ስዩም ዮሃንስ ንቪኦኤ ብስልኪ ከምዝገለፆ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ፈፂሞም፣ንብረት ሰሪቖም፣ መንበሪ ኣባይቲ ኣቃፂሎም ክብል ገሊፁ። ብፍላይ 28ን 29 ታሕሳስ 2013 ዓ\ም ዘውረዱዎ ጥፍኣት ‘’63 ሰባት ከምዝተቐተሉ ብኣባላትና ኣረጋጊፅና’’ ዝበለ ኣቶ ስዩም እቲ ቁፅሪ ክሳብ 70 ከምዝበፅሕ ሓቢሩ።

ብባህሊ ኢሮብ ፆታዊ መድፈርቲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ክዛረባ ከቢድ ብምዃኑ ብምቁፅሪ ንምግልፃ እንተፀገመ እውን እቲ ገበን ምፍፃሙ ግን ርግፀኛታት ኢና ክብል ኣቶ ስዩም ገሊፁ።

መውኸንን ሓረዞን ኣብ ዝተብሃሉ ጣቢያታት ናይ ሚሊሽያታት ኣባይቲ ብዝብል ሰበብ 58 ኣባይቲ ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቓፀሉ ኣቶ ስዩም ወሲኹ ገሊፁ።

እቲ ቅትልተን ካልኦት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ በእካል ረኺቡ ከምዝነገሮም ብምሕባር ‘’ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓዘኖም ገሊፆምለይ እዮም፤ከምዝገምገምናዮ ግን እቲ ኩነታት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ ዝመስል’’ ኢሉ።

እቲ ቅትለትን ምቅፃል ኣባይትን ዝተፈፀመ ኣብ ዓለቴና፣ እንዳሞሳ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ምዃኑን ዝተቐትሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይትን ዝርከቡዎም ብበዝሒ ማንእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ዝተወሰና ደቂ ኣንስትዮን ይርከብኦም ክብል ገሊፁ።

ተሓተቲ ናይዚ ኹሉ ጥፍኣት ወታደራት ኤርትራ ብምዃኖም ብዘይውዓል ሕደር ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም ኢሉ ኣቶ ስዩም።

ሓደ ንደሕንነቱ ብምስጋእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣቢያ ኮማሱብሓ ቑሸት ውታፋ ነባሪ ዝኾነ 16 ለካቲት 2013 ዓ\ም ሽዱሽተ ስቪላት ብወታደራት ኤርትራ ተረሺኖም ኢሉ።

ውታፋ ኣብ ዝተብሃለ ቑሸት ጥራሕ ናይ ሸሞንተ ገባራት ኣባይቲ ብወታደራት ኤርትራ ተቓፂሎም ክብል ሽሞም ዘርዚሩ።

ናይ ዕጡቓት ሚሊሽያ ብዝብል ሰበብ ዕጡቓት ናይ ዘይኮኑ ብዙሓት ኣባይቲ ተቓፂሎም ኣለው ኢሉ።’’ናይ ኣሕዋተይ፣ስድራይን ናይ ጎረበተይን ብምልኡ ተቓፂሎ፤ ታሕታይ ዝባን ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናይ 13 ገባራት ገዛውቲ ተቓፂሎም፣ኣዚዩ ብዙሕ እዩ ንምዝራብ እውን ከቢድ እዩ’’ ክብል ይገልፅ።

ወታደራት ኤርትራ ንሰባት ክቐትሉ ከለው ይኹን መንበሪ ኣባይቲ ከቃፅሉ ከለው ግደፉ ዝብሎም ስለዘየለ ዕላምኦም ንናይ ትግራይ ብሄር ንምጥፋእ እዩ ክብል ኣምሪሩ ይገልፅ።

እንስሳ ከምድልየቶም እናወሰዱ ከምዝሓርዱ ብምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ይሳቐ እዩ ዘሎ ‘’ማሕበረሰብ ዓለም ብትኽክል እናሰርሐ እንተኾይኑ እዚ ሰራዊት ካብዛ ሃገር ፀንቂቑ ክወፀልና ክሕግዘና ንደሊ ኢና’’ ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ እንዳስላሴ ጣቢያ ባዶ ክልተ ነባሪን ናይ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ፣ጣቢያ ማይ ጥምቀት ዝኾነን ንደሕንነቱ ክብል ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየን መንእስይ ምሁር ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትውልዲ ዓዱ 8 ህዳር 2013 ዓ\ም ካብ 16 ዓመት ዕሸል ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊፁ።ናይ ስጋ ኣዝማዱን ዝፈልጦም መተዓብይቱን ኣዕርኽቱን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓይልታት ፌደራል 8 ሕዳር 2013 ዓ\ም ናብ እንዳስላሰ ኣብዝኣተውሉ እዋን ወታደራት ኤርትራ ብጣቢያ ማይ ጥምቀት ክሓልፉ ከለው ንፁሃን ሰባት ቀቲሎም ይብል።

ብማይ ጥምቀት ኣቢሉ ክሓልፍ ከሎ ንብዙሓት ሰላምዊያን ሰባት ምቕታሎም ከምዝፈልጥን ዝፈልጦም ሰባት፣ገሊኦም ድማ ኣዝማዱን ደቂ ዓዱን ምዃኖም ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ፣ኣብቲ ከባቢ ውግእ ኣብ ዘይነበረሉ፣ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ትግራይ ወይ ሚሊሽያ ኣብ ዘይነበረሉ ወታደራት ኤርትራ ዘውረድዎ ግፍዒ እዩ ይብል።

‘’8 ሕዳር 2013 ዓ\ም ስቕ ኢሎም ፈቐዶ ኣባይቲ እናኣተው፣ኣብ መንገዲ ዝረኸቡዎ 30 ሰባት ቀቲሎም። ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ሰባት ጥራሕ እዮም ብስርዓት ኣብ ቤተ ክርስቲያትን ተቐቢሎም።ዝተረፉ 27 ግን ኣብ ዝተቐተልሉ ቦታን ባይታን እዮም ተቐቢሮም’’ ኢሉ።

ካብ ሓደ ገዛ ክልተ፣ሰለስተ ሰባት ዝተቐተሉ ከምዘለው ብምግላፅ ኣሽማት ናይቶም 21 ሰባት ዘርዚሩ።ህይወቱ ንምድሓን ካብ ሑመራ መፂኡ ኣብዚ ህይወቱ ዝሰኣነ ተኸስተ ንጉሴ ሓዊሱ ክሳብ 21 ዝዘርዘሮም ነበርቲ ጣቢያ ማይ ጥምቀት ምዃኖም ምስ ሓበረ እቶም ትሽዓተ ግን ካበይ ከምዝመፁ ዘይፍለጡን መንነት ወረቐት ዘይብሎም ኣብኡ ተቐቲሎም ዝተቐበሩን እዮም ክብል ገሊፁ።

ኣብ ኣክሱም ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ይኹን ኣብ ኢሮብን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕቲዮ ዘተኮሩ እዮም።ኣብ ማይ ጥምቀት ዝተቐተሉ እውን ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ብምዃኖም ተመሳሳሊነት ኣለዎ።

ኣብ ቀረባ ናብ ጣቢያ ማይ ጥምቀት ተጓዒዙ ከምዝነበረን ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ከምዝርከቡን እቲ መንእሰይ ገሊፁ።

‘’ናይ ሚሊሽያ እዮም’’ ብዝብል ብኣማእቲ እንስሳት ማይ ጕዕ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ትምህርቲ ዓጊቶም ካብ ዝሕዙወን ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከምዝገበራ ገሊፁ።’’እቲ ዝገርም ድማ ካብዞም ኣጣልን ኣባግዕን እናሓረዱ እዮም ዝቅለቡ’’ ይብል ብምውሳኽ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ጣቢያታት ጥዕናን ክልኒካትን ኩሉ ንብረቶም ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተሰረቑን ከምዝዓነውን ብምሕባር ባዶ ምትራፎም ብአካል ተረኺቡ ከምዝርኣዮ ሓቢሩ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ህልቂት መወዳእታ የብሉን ዝበለሱ ንሱ ‘’ኣብ ትግራይ ዝተረፈ ንብረት የለን፣ብወታደራት ኤርትራ ተወሪሩ፣ዓለም ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣብ ምውፃእ ክሕግዘና ይግባእ’’ ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ቕትለት፣ምቅፃል ኣባይትን ካሎትን ዝተሓተቱ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ሃይለስላሰ ተስፋይ ንቶም ዝቐረቡ ክስታት ኣይረጋገፁን፤ኣሉታ እውን ኣይሃቡን።’’ኣነ ሓበሬታ ተኣኪቡ፣ምስ ተወደበን ምስ ተተንተነን ጥራሕ እየ ዝህብ ካብዚ ወፃኢ ኣይህብን እየ’’ ኢሎም።

ካብ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ ምስ ቪኦኤ ቃለ መጠይቕ ዘካየዱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣብዚ ሪፖርት ንዝተጠቐሱ ክስታት ከይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ተዛሪቦም ኣለው ።

ናይ ፀጥታን ድሕነትን ስራሕ ብዙሕ ፃዕሪ ስለዘድልዮ ይጅምሩዎ ከምዘለው ብምግላፅ ‘'ህዝብና ሪኢዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ሓደጋ ወሪዱዎ ኣሎ’'ኢሎም።ዕንወት ንብረት፣ምጥፋእ ይወት ሰባት፣ፆታዊ መጥቓዕቲ፣ዕንወት መስረተ ልምዓት ከምዝወረደን በቲ ኵናት ብዙሕ ዕንወት ወሪዱ ካብ ናይ ውልቀሰባት ክሳብ ህዝባዊን ዓበይቲ ትካላት ብዝተፈላለዩ ከምዝተስረቑን ከምዝዓነውን ገሊፆም ዶክተር ሙሉ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ቃለ ምልልስ ካብ ዝገበርናሎም ሰባት፣ካብቲ ህዝብን ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ይቐርብ ንዘሎ ፃውዒት ዶክተር ሙሉ ነጋ ክምልሱ ከለው ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ካሊ ሓይሊ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ ኢሎም።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክብሉ ይነፅጉዎ።ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ግን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ጭፍጨፋን ቅትለትን ከምኡ እውን ስርቅን ዕንወትን ንብረት ኣብ ምፍፃም ከምዝርከቡ ይገልፁ።

ሓደ ሽሙን ሓላፍነቱን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ቅድም ክብል ምስ ቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዝኣተውለን ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ነቲ ህዝቢ ካብ መጥቓዕቲ ይከላኸሉ ነይሮም ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ኣለው ንዝተብሃሉ ገበናትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝምርምር ገሊፁ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል


XS
SM
MD
LG