ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ሚኒስተር ወፃኢ ኤርትራ ዖስማን ሳልሕ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት


Eritrean-Foreign-Minister Osman Salih
Eritrean-Foreign-Minister Osman Salih
ናይ ኤርትራ ሚንስተር ወፃኢ ዖስማን ሳልሕ ዓለምለኸ ፍትሒ ዘይተረጋገፀሉ ምኽንያት ሕቡራት መንግስታት ኣሰራርሕኡ ስለ ዘየመሓየሸ እዩ ክብሉ ኣብ ሓፈሻዊ ጉብኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም።

‘’በሩ ከምዝተዓፀወ ገዳም ኤርትራ ንእተቕርቦ ናይ ፍትሒ ፃውዒት ሰማዒ ክስእን ኽልተ ወለዶታት ክገርብ ኢሉ’ሎ ዝበሉ ሚንስተር ዖስማን ዕንቅፋታት ዝበሉዎም ኣብ ዘለውሉ፣ልዕልነት ዓለምለኸ ሕግታትን ፍትሕን ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ናይ ደቂ ሳባት መሰልን ድልየትን ምሕላው ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ዘይምክብባር ንሓደጋ ዝተቓልዐ እዩ ኢላ ሃገሮም ብፅኑዕ ከም እትኣምን ንመበል 68 ሓፈሻዊ ጉብኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመልኪቶም።

ምርጫና ከም ካልኦት ህዝብታት ሎሚ ይኹን ትማሊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝካየድ ናይ ተሃድሶ ለውጢ ኽቀላጠፍ እዩ’ውን ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተፈፂሙ ዝበልዎ ምጉዳል ፍትሒ ናይ መልእኽቶም ዓብዪ ትኹረት ምዃኑ እውን ኣቶ ዑስማ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቶም ሚንስተር ወፃኢ ኤርትራ ብምትሕሓዝ ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳይ ባደመ ‘’ፖለቲካዊ ይኹን ሕጋዊ ደገፍ ዘይብሎም ግጭታት ድንበር ‘’ብዝበልዎም ሕቡረት መንግስታት ብዘየፈፀሞ ዝበልዎ ውሳነ ሃገሮም ንዘየቋርፅ ቅልውላው ኣበርክቶ ገይሩ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።ናይዚ ምኽንያት ድማ ምምሕዳ ዩናይትድ ስቴትስ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ብዝፈፀሞ ዘይሕጋዊ ዕንቅፋት እዩ ክብሉ ኸሲሶም።

ሙሉእ ፀብፃቡ ንምስማዕ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Osman Saleh
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:34 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG