ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፈሪ መብራህቱ - ተሸላሚ ወርቂ ፌስቲቫል ፊልም ህዩስተን


ተፈሪ መብራህቱ - ተሸላሚ ወርቂ ፌስቲቫል ፊልም ህዩስተን
ተፈሪ መብራህቱ - ተሸላሚ ወርቂ ፌስቲቫል ፊልም ህዩስተን

ክልተ ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሓ ፊልምታት ኣብ መበል 49 ኣህጉራዊ ፊልም ፌስቲቫል ህዩስተን 2016 ወርቂ ሽልማት ተዓዊተን።

ተፈሪ መብራህቱ ኣብ ኣህጉራዊ ፊልም ፌስቲቫል ህዩስተን ንሳልሳይ ግዜኡ'ዩ ዝዕወት ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ መበል 48 ከምኡ'ውን ኣብ መበል 47 ኣህጉራዊ ፊልም ፌስቲቫል ህዩስተን ተዓዊቱ ነይሩ። "ራህዋ" ን "ቀያሕ ርግቢት" ብዝብላ ፊልምታቱ ናይ ነሓስን ብሩርን ሽልማት ከምዝተዓወተ'ዩ ይፍለጥ።

"ድሕሪ ኲናት"ን "ሰሎሞን"ን ዘርእስተን ክልተ ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሓ ፊልምታት ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዝተኻየደ መበል 49 ኣህጉራዊ ፊልም ፌስቲቫል ህዩስተን 2016 ናይ ወርቂ ሽልማት ተዓዊተን።"ድሕሪ ኲናት" ደራሲ ኣብርሃም ተስፋልኡል ዳይረክተራ ድማ ተፈሪ መብራህቱ ክኸውን እንከሎ: ኤፍሬም ዓንደማርያም ጸሓፍን ዳይረክተርን ፊልም 'ሰለሞን' እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስ ተዓዋቲ ተፈሪ መብራሕቲ ዝተካየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተፈሪ መብራህቱ - ተሸላሚ ወርቂ ፌስቲቫል ፊልም ህዩስተን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:20 0:00

XS
SM
MD
LG