ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር፡ ኣንጻር ሸርሒ ማዕቀብ ዝካየድ ቃልሲ ኪነው ምልዓል`ቲ ማዕቀብ ዝኸይድ`ዩ ይብል


Dr. Welday Fitur addressing festival participants
Dr. Welday Fitur addressing festival participants

ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብዝሒ መንእሰያት ዝተራእየሉ ኔሩ። Eriam Sisters ዘቕረብኦ ምርኢት ድሙቕ ኔሩ

እቲ ፈስቲቫል ኣብቲ convention Center ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝሰፍሐ ኣዳራሽ ዋሺንግቶን ዲሲ`ዩ ትኻይዱ። ነቲ ፈስቲቫል ዝኸፈቶ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ U.S ግርማይ ገብረማርያም ንዕላማታት`ቲ ፈስቲቫል ክገልጽ ኸሎ “ሃገራዊ ፈስቲቫላትና ንባህላውን ታሪኻውን ቅርስታት ሃገር ዘንጸባርቕ፡ ጽባቐ ባህላዊ ብዙሕነትና ኣጉሊሑ ረብሓ ሕድሕዳዊ ምጽውዋርን ጣዕሚ ሃገራዊ ስኒትን ዘንጸባርቕ፡ ወራስን ኣውራስን ወለዶታት ኣራኺቡ፡ ታሪኽ ክብርታት ዘሰጋግር፡ ኮታ ምስሊ ስሙር ህዝቢ ዝኹልዕ ዕዙዝ ኣጋጣሚ`ዩ” ኢሉ።

ካብ ኤርትራ ኣብቲ በዓል ክሳተፍ ዝመጸ ኣማኻሪ ቑጠባ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ኣብ ምርዳእ ብዕቱም ይስርሓሉ`ሎ ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ`ውን ጉዳይ ሶማል ክፍታሕ ዝኽእል ወተሃደራዊ ምትእትታው ዘይብሉ ንኹሎም ሶማልያውያን ዘሳተፈ ፖሊቲካዊ መስርሕ ምስ ዝካየድ ጥራሕ`ዩ ኢሉ።

ዶ/ር ወልዳይ ኣተሓሒዙ፡ ኣንጻር ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ቃልሲ፡ ኪነው ምልዓል`ቲ እገዳ ክኸይድ ኣለዎ ይብል።

ቐዳም ምሸት ኣብ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢታት ብ Eriam Sisters ማለት ብ3ተ ኣሕዋት ዝቖመ ሙዚቃዊ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ልዑል ምላሽ ረኺቡ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG