ዋሽንግተን —
ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ብፋላይ ኣብ ርክባት ህዝብታት ዕዙዝ ተራ ከም ዝሕዝ ኣሰናዳእቲ ይገልጹ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደን ካብ ምሉእ ኣመሪካ ዝመጹ ልዕሊ 20 ሺሕ ሰባት ከም ዝተሳተፍዎን ዝግለጽ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለዩ ባህላውን ትምህርታውን ንጥፈታት ኣተኣናጊዱ ኔሩ። ኣብቲ ፈስቲቫል ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ርክባት ህዝባታት ኣመሪካን ኤርትራን ኣተኩሩ ምስ ተሳተፍቲ ዝግበሮ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ቅጥዒ