ኣስመራ —
ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ዓመተ 2017 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዲፕሎማትን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሎሚ 18 ነሓሰ,2017 ዓ.ም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣብዚ “ቅርስታትና መግለጺ መንነትና” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል፡ ንስነ ህንጻዊ ጽባቐ ከተማ ኣስመራ ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት፡ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘላልን እናዘናግዐ ዝምህርን መደብ ቁሸት ቆልዑ፡ባዛርን ስነ ጥበባዊ ትሕዝቶታትን ዝሓዙ መደባት ቀሪቦም ኣለዉ።
“ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ምርኢት፡ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ቅርስታት ምዕባይ’ዩ” ይብል ኣርክቴክት ክብረኣብ ጽምብል።
መምህር አፍሬም ዘርአ ብወገኑ፡”ኣብ ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ተማሃሮ ዝቐረብ ምርኢት፡ንተማሃሮ፡ወለድን በጻሕትን እናዘናግዐ ዝምህር ኢዩ”ክብል ገሊጹ።