ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዊዘርላንድን ከባቢአን ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ጀኔቫ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኣባላት ስቪክ ማሕበር መንእስያትን ተቃወምቲ ውድባትን ነበርቲ ውልቀሰባትን ዘዳለውዎ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ጀኔቫ ተኻይዱ።

ሓደ ካብቲ ዕላማታት'ቲ ተቃውሞ ሰልፊ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም እሱራት ንኽፈትሕ ሕቡራት መንግስታት ድፍኢት ንኽገብር መፀዋዕታ ንምቅራብ ምኻኑ ኣዳለውቱ ገሊፆም'ለው።

እቲ ኻልእ ዕላማ ኸአ ነቶም ኣብ በረኻ ሲና ብዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ተጨውዮም ተታሒዞም ዘለውን ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ ኹናት ሊብያ ተቀርቂሮም ዘለው ስደተኛታት ብቅልጡፍ ካብ ዘለውዎ ንኽወፁ ንኽግበር ንምሕታት'ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ተቃውሞ ሰልፊ ካብ ዝተቃልሑ ጭርሖታት ገለ፡ ህግደፍ ይውረድ፣ ኹሎም እሱራት ይፈትሑ፣ ስደት የብቅዕ ዝብሉ ይርከብዎም።

XS
SM
MD
LG