ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ስደት ናብ ዝለዓለ መድረኽ ክወዳደሩ ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጹ


ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽላይ ድሕሪ ካብ ሃገሩ ምውጽኡ ዳግማይ ናብ ውድድር ብሽክለታ ተመሊሱ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳንኤል ተኽላይ ኣብ ኢትዮጵያ ትርኸብ ጋንታ ስደተኛታት ይነጥፍ። ኣብዛ ጋንታ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝግብ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽላይ እታ ጋንታ ኣብ ውድድራት ንምስታፍ ሕጽረት ፍቓድን ናይ ገንዘብ ሕጽረት ከምዘለዋ ይሕብር።

ኤርትራ ብዘለዋ ዝጸንሓ ልምዲ ኣብ ቅድድም ብሽኽለታ ከም ዳንኤል ተክለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃን ዝአመሰሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ክእለት ዘለዎም ተቐዳደምቲ ከተፍርይ ክኢላ እያ።

እዛ 10 አባላት ዘለውዋ ጋንታ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽኽለታ ድማ ንዝብህግዎ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክሳተፉ ምኽኣሎም ዕድለኛታት እዮም።

አካያዲ እታ ጋንታ በን ጀማነህ ብዛዕባ እዛ ጋንታ እዛ ስደተኛታት ከምዚ ይብል።

“ብወገነይ ዝኸአኒኑ ኩሉ ይሕግዞም እየ። ንኹሉ ዘድልዮም መሳርሒታት ይህቦም ግን ንበይነይ ኩሉ ክገብር ኣይክእልን።”

አባላት እዛ ጋንታ በአካያዲ እታ ጋንታን ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝነብሩ ቤተሰብ ንዝተዋህብኦም ብሽክለታት ብምጥቓም ላዕለዋይ ደረጃ ዝሓዙ ተቐዳደምቲ ምኳኖም’ውን ይግለጽ አሎ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG