ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣይተኸተላን ንዝበለን 450 ትካላት ንግዲ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ


ከተማ ኣስመራ
ከተማ ኣስመራ

እዘን ትካላት ንግዲ ኣብ ክንዲ ብጥረ ገንዘብ፡ ብቸክን ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ብምስግጋርን ክሰርሓ ዝተዋህበ መምርሒ ዘይተኸተላ መብዛሕትኣን ኣገልግሎት መስተንግዶ ዝህባ ትካላት ምዃነን ከከም ደረጅኤን ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ሾመንተ ወርሒ ክዕጸዋ ምውሳኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቐፍቲ ግን እቲ ምዕጻው ኣብያተ ንግዲ፡ ነቶም ከም ፍርያት ሕርሻ ዝበሉ ብቐጥታ ናብ ነጋዶ ዘቕርቡ ሰባት ከም ዝሃሰዮም ይገልጹ። ዓዋተ ዶት ኮም ዝተባህለ ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሶ ሓደ ነጋዳይ ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ዘቕርበለን ዝነበረ ትካላት ንግዲ ስለዝተዓጽዋን፡ ምስኡ ዘሎ ኣሕምልትን ፍረታትን እናተበላሸወን ካልእ ሓዲሽ ካብ ሓረስቶት ክገዝእ ከምዘየዋጽኦ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዝቕባበ ገንዘብ ንምክልኻል ኣብ ዝብል ፖሊሲኡ፡ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣተኣሳሲሩ፡ ኣብ ስርዓታት ባንኪ ጥብቂ ምቁጽጻር ክገብር ምጅማሩ ይፍለጥ። እንተኾነ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ሰብኣዊ ዓቕምን ተመክሮን ዝሓትት ብምዃኑ፡ ኣብ ኣድማዕነቱ ኣብ`ቲ ዝድለ ደረጃ ከምዘይበጸሐን ኣብ`ቲ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ኣሉታዊ ጽልዋታት የሕድር ከምዘሎን ብዙሓት ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ክኢላታት ቁጠባ የረድኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG