ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም: ብናይ መንነት ጌጋ ኣብ ቀይዲ ምህላው ቃሉ ንቤት ፍርዲ ሂቡ


ብክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ኢጣልያ ዝርከብ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም: ብናይ መንነት ጌጋ ኣብ ቀይዲ ምህላው ንቤት ፍርዲ ቃሉ ሂቡ።

መድሃኔ ተስፋማርያም: ሎሚ ሶሉስ መስከረም 03 ኣብ ፓለርሞ ኣብ ዝተጋብአ ፍርዳዊ መስርሕ: ብጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ሱዳን ተታሒዙ ኣብ ኢጣልያ ተኣሲሩ ከምዝርከብ ድሕሪ ምግላጽ: ኣብ ልዕሊኡ ናይ መንነት ጌጋ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

ጠበቓ ጥርጡር ሚካኤል ካለንትሮፖ ብወገኑ: ዓሚሉ ነዚ ቃሉ ንቤት ፍርዲ ዝሃበ ኣብቲ ሎሚ ከም ብሓድሽ ዝተኸፍተ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምዃኑ ብምጥቃስ: እዚ መስርሕ ድማ ጎድኒ ጎኒ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ፍርዳዊ መስርሕ ሕጊ ዝኸይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብተወሳኺ: እቲ ወኪልዎ ዘሎ ዓሚሉ: እቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝድለይ ዘሎ መድሃኔ ይሕደጎ መርዕድ ዘይኮነ: መድሃኔ በርሀ ተስፋማርያም ምዃኑ ክኸራከር ምጽንሑ’ውን ሓቢሩ።

ንወላዲት መድሃኔ በርሀ ካብ ኤርትራ ናብ ኢጣልያ ክመጻን፡ ናይ ዲኤንኤ ምርመራ ብምክያድ መንነቱ ክረጋገጽ ይሰርሕ ምህላው ብተወሳኺ ጠበቓ መድሃኔ በርሀ ተስፋማርያም ዝኾነ ሚካኤል ካለንትሮፖ ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG