ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ?"መልእኽቲ ጳጳሳት ካቶሊክ ኤርትራ


Map of Eritrea
Map of Eritrea
ኣርባዕተ ካቶሊካዊያን ጳጳሳት ኤርትራ ዋሕዚ ስደተ ኤርትራዊያን መንእሰያትን ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጥሞም ዘሎ ህልቀትን ብዓሚቕ ዝተሓሳሰቦም ምዃኑ ገሊፆም።

ኣርባዕቲኦም ጳጳሳት ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማሪያም ኣስመራ፣ኣቡነ ቶማስ ዖስማን ባረንቱ፣ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ዘመንበረ ከረንን ኣቡነ ፍቅረማሪያም ሓጎስ ዘመንበረ ሰገነይትን ብሓባር ኣብዝፅሓፍዎ መተሓሳሰቢ ‘’ሓዋሪያዊ መልእኽቲ ካቶሊካዊን ቅዱሳት ኤርትራ’’ዝብል ኮይኑ ‘’ሓውካ ኣበይ ኣሎ?’’ዝብል ጥቕሲ መፅሓፍ ቅዱስ እርእስቲ ዝሓዘ እዩ።

እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ደላዪ ለውጢ መንእሰያት ቀለብ ባሕሪን ናይ ዘመንና ኣራዊት ነገድቲ ደቂ ሰባትን ክሳብ ምዃን ምብፅሑን ስደት ብዝምልከት እውን ናብ ወፃኢ ሃገር እንተኸይደ ጥራሕ እዩ ናብራይ ዝምሓየሽ ዝብል ስምዒት ኣብቲ መንእሰይ ምንጋሱን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።
ሰላም፣ፍትሒ፣ሰሪሕኻ ምብላዕን ብዘይስግኣት ምዝራብን ኣብዘለዎ ሃገር ናብ ስደት ከይኮነስ ዝተሰደደ እውን ይምለስ እዩ ኢሎም እቶም ጳጳሳት።

ኣብ ኤርትራ ብናጻ ምምይያጥ ስለዝተሳእነን ፡ሰብ ሓበረታ ብዘይምክርካቡን ብሕሽኹሹኽ ንኽዛረብን ባህሊ ናይ ሓሜትን እንታይገደሰንን ስምዒት ክሰፍሕን ከምዝኽኣለ ኣብ ደብዳብኢኦም ጠቒሶም።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ‘’ብሕጊ ኣምላኽ’’ዝብል ባህሊ ብምጥፍኡ ድዩ ብልሽውና በዚሑ ዘሎ? ኢሉ ዝሓተተ ደብዳብኦም ንፍትሒ፣ንርትዒ ብልዕልነት ሕጊ ምምራሕ ንሓቂ ጠጠው ምባል ኩሉ ዝደልዮ ስለዝኾነ ትኹረት ክረክብ ይፅውዕ።

ኤርትራዊያን ካቶሊካዊያን ጳጳሳት ኣብቲ ፅሑፎም ‘ሓውካ ኣበይ ኣሎ?’’ ክንብል ከለና እቲ ሕቶ ብሓፂሩ ‘’ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?’’ ካብ ምባል እቲ ሕቶ ስፍሕ ብዝበለ ‘’ሃገርካኸ ኣብ ምንታይ ደረጃ ትርከብ’’ ክሳብ ምባል ክብፃሕ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
Eritrean-Catholic Bishops
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:36 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG