ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት


ተመረቕቲ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ራህዋን መርሃዊትን
ተመረቕቲ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ራህዋን መርሃዊትን

ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ሎሚ ዓመት ካብ መንጐ ዘመረቖም 1027 ተምሃሮ እቶም 28 ኤርትራውያን እዮም። ኤርትራውያን ቢላል የዕብዮን ራህዋ መሓርን ከምኡ እውን ኢትዮያውያን ገነት መብራህቱን መርሃዊት ተኽለሃይማኖትን ብዝልዓለ ውፅኢት ወርቂ መዳልያ ረኺቦም ዝተዓወቱ እዩ።

ቢላል የዕብዮ ምሉእ 4 ነጥቢ ገነት መብራህቱ 3.96 ከምኡ እውን ራህዋ መሓርን መርሃዊት ተኽለሃይማኖት ማዕረ 3.92 ኣመዝጊቦም ብዝለዓለ ጽምብል ተሸሊሞም።

ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲ ዘተግብሮ ዘሎ ተምሃሮ ተኰር ሜላ ኣመሃህራ ተምሃሮ ኣብ ምትሕግጋዝ ክምርኰዙ ዘኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ሂቦም ኣለዉ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ገና ዘይተርነዐ ምስ ምዃኑ ከማልኦ ዝግባእ ተወሳኺ ዓቕሚ እኳ እንተሃለወ በቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ፅቡቕ ፍልጠት ክዓትሩ ከምዝሓገዞም እውን ይዛረቡ።

ኣብ እዋን ትምህርቶም ፅቡቕ ተማሓዝዮም ትምህርቶም ከምዝዛዘሙ እውን ይገልፁ፤ ብፍላይ ካብ መምህራን ድማ ብቐረባ ጠመተን ድጋፍን ኣይተፈለየናን ኢሎም።

ኤርትራዊት ራህዋ መሓሪ ቅድሚ ሎሚ ካብ ካልእ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቑ ኤርትራውያን ተመሊሶም ናብቲ ዝነበርሉ መፅንሒ ስደተኛታት ክኣትዉ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺራ እዚ ድማ ክኸውን ኣይምነበሮን ትብል። ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ተምሃሮ ምስ ተመረቑ ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ክሕግዙ ይግባእ ብምባል ተማሕፂና ኣላ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:42 0:00

XS
SM
MD
LG