ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዝመራ ሎሚዘመን ይበል ዘብል`ዩ ይብሉ ሓረስቶት ኢትዮጵያን ኤርትራን


ሎሚ ዘመን ብዝነበረ ህጡር ክረምቲ፡ ዝምስገን ዓቐን ዘለዎ እኽሊ ክሓፍሱ ይቀራረቡ ከም ዘለዉ ካብ ኸተማታት መንደፈራን ዓድዋን ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ሓረስቶት ሓቢሮም

ኣብ ኸባቢ ዓድዋ ጣብያ ስምረት ዝብሃል ናይ ባዕሎም ሕርሻ ኸምዘለዎምን፡ ኣብ ኸባቢ ኸተማ ድማ ብጭረታ ዝሓዝዎ ሰፊሕ መሬት ከምዘለዎም ዝገለጹ ኣቶ ማርቆስ ዮሃንስ፡ ጣፍን ዳጉሻን ኸምኡ`ውን ብርስንን እንጣጢዕን ዘሪኦም ከምዘለዉ ሓቢሮም። ዘመናውያን ኸብቲ ከምዘለወኦም`ውን ጠቒሶም።

ኣብ ኸባቢ መንደፈራ ፍሉይ ሽሙ እምኒ ሓይሊ ዝሓርሱ ኣቶ ተስፋይ ኣብራሃ ብወገኖም፡ ጣፍ መሸላ፡ ስርናይ፡ ዕፉን ስገም፡ ብጀራዲን ድማ ኣራንሺ መንደሪኒ ከምዘለዎም ገሊጾም።ናይ ጸባ ኸብቲ`ውን ኣለዋኒ ኢሎም።

ኣብ ኸባቢ ሩባ መረብ ብኽሊቲኡ ሸነኽ ዝርከቡ ሓረስቶት-ሰብ ከብቲ፡ ማሎም ኣብ`ቲ ፈለግ ከምዘስትዩን፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ፈለግ ብሓባር ከምዝጥቀምሉን ክሊቲኦም ሓረስቶት ሓበሬታ ከምዘለዎም ንጋዜጠኛ ተወልደ ወልደገብሬል ገሊጾምሉ።

ንምሉእ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ

XS
SM
MD
LG