ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት መንእሰይ: ስደተኛታት ንምሕጋዝ ካብ ኣሜሪካ ናብ መዓስከር ሰደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ትጉዓዝ


መንእሰይ ሳብሪና ጀሚል አማን
መንእሰይ ሳብሪና ጀሚል አማን

ሳብሪና ኣማን ጀሚል ትበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ኣብ ቐጠር ዝዓበየት ኮይና ድሒራ’ውን ናብ ኣሜሪካ መጺኣ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ጆርጅሜሰን ዩኒቨርሲቲ ብኮሚኒኬሽን ተመሪቓ። ቀጺላ ኣብ ዓለምለኸ ባንክ ኣብ ትሰርሕሉ ዝነብረ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ድኽነት ንምጉዳል ዝዓለመ ፕሮጀክትታት እቲ ትካል ሰሪሓ’ያ።

ሳብሪና ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ጊዚኣ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ትነጥፍ ዘላ ኮይና ኣብ 2015ን ኣብ 2016 ዓ.ም ድማ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርኸቡ ሓሙሽተ መዓስከር ስደተኛታት ምስ አቡኣ ብምብጻሕ ናይ ህክምና መሳርሒታት ናብተን መዓስከር ስደተኛታት አብጺሓ።

ሳብሪና ኣብ 2015 ዓ.ም ናብ ኣብ ሱዳን ዝርኸብ መዓስከር ስደተኛታት ክትበጽሕ ከላ እዋኑ ዓለም ንቅልቅላው ስደተኛታት ትኩረት ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ምንባሩ ብተወሳኺ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ነዚ አሰቃቂ ጉዕዞ ምድረበዳን ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ዘካይድሉ እዋን ካብ ማሕራዊ ብድሆታት ብተወሳኺ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ዝተፈላለየ ዓመጽ ዝፍጸሙሉ እዋን እዩ ኔሩ። ካብ ኣሜሪካ እሞ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ነቲ ጉዕዛ ንምፍጻም ስግኣት ኣይተሰማዓኽን’ዶ ንዝብል ዘቕረብኹላ ሕቶ ከምዚ ኢላ ገሊጻትለይ።

“ ኣነ ብዛዕባ ጉዕዞ ስደትን ኣብኡ ዘጋጥም ዓመጽን ስቓይን ክፍለጥ ጊዜ ወሲዱለይ እዩ። ንመጀመርያ ጊዜ በዚ አሰቃቂ ጉዕዞ ሓሊፎም ኣሜሪካ ዝበጽሑ ሰባት ካብ ዝረኸብኽሉ ጊዜ ጀሚረ ነቲ ጉዕዞ ንምፍጻም ሓሙሽተ ዓመታት ወሲዱለይ’ዩ። ድሒረ ግን ብርግጽ ነዞም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኮነ እቲ ናቶም ታሪክ ንምስናድን ንዓለም ንምፍላጥን ኣብቲ ቦታ ከይደ ብዓይነይ ክምስኽር ስለዝነበረኒ ነቲ ጉዕዞ ንምፍጻም ተበጊሰ። ክምለስን ክተርፍን ፍርቂ ፍርቂ ዕድል ሒዘ’የ ተበጊሰ። ወለደይ ኮነ ኤርትራዊያን ማሕበረሰብ ብውሳነይ ኣተሓጎሱን ግን ኽከውን ስለዘለዎ ነቲ ጉዕዞ ፈጺመ’ዮ። እቲ 50 ሚእታዊት ክምለስ ዘሎ ተክእሎ ሒዘ ንአፍልጦ ህዝቢ ንምዕባይ ምስ አቦይ ተበጊሰ።ነቲ ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝሰነድኽዎ ኩሉ ብዘይፍቓድ’የ ዝሰርሖ ኔረ። ኣብ ሓደ እዋን ብቴሌፎን ቪድዮ ክውስድ ምስ ረአዩኒ ናብ መደበር ፖሊስ ወሲዶም ብሸሞንተ አባላት ፖሊስ ተመርሚረ። ኣብቲ ቦታ ንምስናድ ዘይኾነ ናብቲ ቦታ ንምእታው’ውን ፍቓድ ኣይነበረንን ብጣዕሚ ዘፍርህ ተሞክሮ’ዩ ኔሩ ግን ኸአ ፍቃድ ክንረኽብ ብዘይምኽኣልና’ዩ ስደተኛታት ተመሲልና ኢና ናብቲ መዓስከር ኬድና፡ ኣብተን ኣብኡ ዝጸናሕናሉ ክልተ ሰሙናት ድማ አነን ኣቦይን ድቃስ ኣይደቀስናን ኣብ ህይወተይ ሓደገኛ ነገር ዝፈጸምኩሉ እዋን’ዩ ግን ከአ ብውጽኢቱ ይኮርዕ’የ።"

ሳብሪና ኣብዚ ናብ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየድትሉ እዋን “ዘ ፎርጎተን” ወይ “ዝተረሰዑ” ብዝብል ኣርእስቲ ንህይወትን ንጉዕዞ ስደትን ብዝምልከት ሰናዲ ፊልም (ዶከመንታሪ) ኣብ ምድላው ትርኸብ አላ። እታ ፊልም ኣብ ቀረባ መዓልታት ተወዲኣ ንምርኢት ከምትቐርብ’ውን ሳብሪና በዚ አጋጣሚ ትገልጽ።

ሳብሪና ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይካ ነቲ ፊልም ንምውዳእ ትገብሮ ዘላ ጻዕርታት “ረፍዩኬር” ዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ብምምስራት ኣብ ምሕጋዝ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ትሰርሕ አላ።ነዚ ትካል ዝመስረተትሉ ዕላማ ድማ ኣብ 2016 ዓ.ም ብትካል ስደተኛታት ተመሪጻ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዕላማ እቲ ምብጻሕ ንኣፍልጦ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ አሰቃቂን ሓደገኛን ጉዕዞ ናብ ኣውሮጳ ንምዕባይ ምንባሩ እንተኾነ ግን እቶም ስደተኛታትን ብዛዕባ’ቲ ሓደገኛነት እቲ ጉዕዞ ከምዝፈልጡ እንተኾነ ኣብቲ መዓስከራት ዝጸንሕሉ ምክንያት ግን ከምዘይብሎም ንሳብሪና ከምዝገለጹላን ንሳ ድማ ዋላ’ዃ ንኩሉ ጠለባቶምን ድልየታቶምን ከተማልእ እንተዘይኸአለት ነቲ ትኽእሎ ንምምላእ ነዚ ትካል ምምስራታ ተረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG