ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ሰንበት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ክፍጸም`ዩ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኦም ብምኽንያት ሕማም ኣብ ኒውዮርክ ዓሪፎም።

ኣምባሳደር ግርማ ትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ከምዝዓረፉ ዝተፈልጠ ሎሚ ኽከውን ኸሎ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ከምዝነበሩ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣውሮጳን ሓዊሱ ኣብ ሓያለ ሃገራት ብኣምባሳደርነትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት አገልጊሎም'ዮም።

ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ብዓለምለኸ ዝምድና ካብ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ዲሲ ብማስተርስ ዲግሪ ዝተመረቑ ኮይኖም ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊት ጋንታ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ'ውን ኔሮም።

ኣምባሳደር ግርማ በዓል ሓዳር'ዮም።

ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ንመሓውራት ዜናን ጋዜጠኛታትን ዝለዓለ አኽብሮት ዝነበሮም ሓበሬታ ንህዝቢ ንምሃብን መርገጺ መንግስቶም ንምግላጽን ኩሉ ጊዜ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓዊስኻ ምስ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ዝተሓበበሩ ዝነበሩ ሰብ'ዮም።

XS
SM
MD
LG