ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይጉዓዙላ ዝነበሩት ጀልባ ብሚሳይል ተወቒዓ ካብ 30 ዘይውሕዱ ኤርትራዊያን መናእሰይ ምማቶም ማሕበር ረድኤት ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝተብሃለ ትካል ኣፍሊጡ።ጨቛኒ ኣብ ልዕሊ ዝበሎ መንግስቲ ኤርትራ ማዕቐብ ንኽግበር እውን ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፃውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
ማሕበር ረድኤት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝዘርግሖ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ዘየቛርፅ ካብ ዝበሎ ሃገራዊ ወታደራዊ ኣገልግሎት ብምህዳም 28 ሓምለ 2013 ኣ/ፈ ብጀልባ ናብ የመን ይጉዓዙ ኣብዝነበሩ መናእሰይ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተተኮሰ ሚሳይል 30 ተቐቲሎም ክብል ስም ዝርዝሮም ኣውፂኡ።
ካብቶም ዝተቐተሉ 11 ዝኾኑ ኣባላት ሓደ ስድራ ምዃኖም ዝሓበረ እዚ መግለፂ እዚ ተምሃሮን መምህራንን እውን ከምዝርከቡዎ ይገልፅ።ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበረሰብ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኣካል ህዝቢ ዓፍር ምዃኑ ዝዘርዘረ እዚ መግለፂ ካብ ዝተፈላለዩ ጭቆና ክሳብ ምፅናት ዘርኢ ዝኸይድ ዝበሎ ገበን ብመንግስቲ ኢሳያስ ይፍፀሞ’ሎ ክብል ይኸስስ።
ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ደው ንምባል ስጉምትታት ክውሰዱ ወሃቢ ቃል እቲ ማሕበር ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ ፀዊዖምም።’’ነዚ ስርዓት ማዕቐብን ካልኦት ተመሳሰልቲ ስጉምትታትን ንኽውሰዱ፣ ይፍፅሞም ካብዘለው ኣፅነፍቲ ዘርኢ ስትራተጂታት ንኽእደብ፣እቲ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ መሰሉ ተሓሊይሉ ንኽነብርን ኢና ንማሕበረሰብ ዓለም ፃውዒትና ነቕርብ ዘለና።’’
መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ቐይሕ ባሕሪ ዓፋር ፈፂሙዎም ዝበሎም ተግባራት ብምዝርዛር ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣቶ ነስረዲን ይዛረቡ።ህዝቢ ዓፋር ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ከምዘጋጥምዎ እናፈለጠ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብበዝሒ ይውሕዝ ኣሎ ይብል እቲ ትካል።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንባሕሪ ብምስጋር ናብ የመንን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ንምእታው ካብ ዝፍትኑ ብርክት ዝበሉ ኣብ ባሕሪ ከምዝጠልቑ እቲ መግለፂ ይሕብር።
ናብ ኢትዮጵያ ስተሰደዱ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ስደተኛታትን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዘይተመዝገቡ ሓዊሱ ካብ 48 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው ኣቶ ነስረዲን ሓቢሮም።
ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፣ጁብቲን ኢትዮጵያን ዝነብር ማሕበረሰብ እዩ።
መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝተገረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።ቅድሚ ሎሚ ግን መንግስቲ ኤርትራ ከም ማሕበር ረድኤት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝበሉ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ተማንነቶም ነፅግ ፀኒሑ’ዩ።