ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ዋሺንግተን ዲሲ መዓልቲ ናጽነት ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣኽቢሮም


ኣብ`ቲ ኣብ Convention Center ዝተገብረ በዓል ኣሸሓት ሰባት ተረኺቦም ኔሮም

ኣስመሮም ኣብራሃም “ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ፍልይ ዘብሎ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትስፉው ናይ ልምዓት ኩነታትን ዝርኣየና ዘሎ ባናን`ዩ” ይብል። ተቐማጢ ቨርጂንያ ጀማል ኣሕመድ ብወገኑ “ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ጸገማትን ዘጋጠመ ሓጎጽጎጽን ተኣሊዩ ብኽልተ እግርና ደው ኣብ ዝበልናሉ እዋን ይኽበር ምህላዉ`ዩ ፍሉይነቱ” ይብል።

ወ/ሮ ኣኽበረት እንድርያስ ብወገና፡ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ቁኖ የለን፡ ሎሚ ግን ኩልና ተቖኒና ክትርኢ ኸለኻ ካልእ ምስክር ታሕጓስና`ዩ ትብል።

ሎሚ ዓመት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝመጸ በዓል-ስልጣን ወይ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ኣይነበረን።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG