ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ወርሒ ብዝተተኮሰ እሳተ ጎመራ 7-ሰባት ከም ዝሞቱን 4-ዝኾኑ ኸአ ከም ዝቆሰሉ ተገሉፁ


ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ነብሮ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተተኮሰ እሳተ ጎመራ 7-ሰባት ሞትዮም ክሳብ አርባዕተ ዝኾኑ ከም ቆሲሎም፣ በቲ ዝወሓዘ ፈሳሲ ሓዊ ኣብ ሩባ ዝነበራ ጥሪት ተጎዲአን ክብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድንን ፀዓትን ኤርትራ ዋና ዲረክተር አቶ ኣለም ክብረአብ ገሊፆም።

ብኻል ወገን ዓፋር ፎርም ዝተባህለ መድረኽ እቲ ከባቢ ገና ብትክን ብሓመኹሽቲ ዶሮና ተሸፊኑ'ዩ ዘሎ፣ ዘይተነገረ ሰብአዊ ጉድአት ወሪዱ'ዩ ዝኸውን ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎ ዝገልፅ መግለፂ ብምውፃእ ፣ ነቲ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢትዮጵያ ሕቡራት መንግስታት ብፍላይ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ክድህስስዎ ንፅውዕ ክብል ሓቱቱ'ሎ።

ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድንን ፀዓትን ኤርትራ ዲረክተር ማዕድን አቶ አለም ክብረአብ ከም ዝገለፅዎ ብሰንኪ'ቲ እሳተ እሳተ ጎመራ ካብ ከባቢኦም ክወፁ ተገይሮም ኣብ መፅለሊ ዝሕግዙ ዘለው 3-ሽሕ ሰባት ምኻኖምን በቲ ኩነታት ብሓፈሻ ክትንከፉ'ዮም ተባሂሎም ዝግመቱ 9-ሽሕ ሰባት ምኻኖም ገሊፆም።

አብቲ ከባቢ ትክ ክርአን ብርቱዕ ድምፂ ትሕተ ኸርሰ ምድሪ ክስማዕ ከም ዝፀንሓን ኺኢላታት ይከታተልዎ ከም ዝነበሩን ዝገለፁ አቶ አለም ክብረአብ መዓስ ከም ዝኸውን ደአዩ ዘተፈለጠ'ምበር ከም ዝትኮስ ዝተፈለጠ ምንባሩን ንነበርቲ'ውን መጠንቀቅታ ከምዝተዋህበ ወሲኾም ገሊፆም።

አቶ አለም ክብረአብ ወሲኾም ንመፃኢ እቲ ናይ እሳተ ጎመራ እንታይ ከም ዝኸውን እንተዘይተፈልጠ'ካ ዛጊድ ንዘሎ ድልየት'ቶም ካብ ከባቢኦም ንኽወፁ ዝተገብሩ ሰባት መንግስቲ ዝኽእሎ'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG