ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዱቢ ዝተባህለ ከባቢ ደንካልያ እሳተ-ጎመራ ከምዝተተኮሰ ተገሊፁ


ዓብይ ናይ ሓሙኽሽቲ ደበና ከምዝፈጠረ'ውን መሰኻኽር ገሊፆም፡ ኣብ ህይወት ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት እንተልዩ ዝተፈልጠ ነገር የለን

ኣብ ኤርትራ እሳተ-ጎመራ ተተኩሱ ዓብይ ናይ ሓሙኽሽቲ ደበና ኣብ ሰማይ ከምዝፈጠረ መሰኻኽር ገሊፆም።

ሓደ ንእሳተ ጎመራ ዝከታተል ትካል ከምዝሓበሮ እቲ እሳተ-ጎመራ ክትኮስ ዝጀመረ ብሰንበት ለይቲ'ዩ።

ዓብይ ናይ ሓሙኽሽቲ ደበና ከምዝፈጠረ'ውን መሰኻኽር ገሊፆም፡ ኣብ ህይወት ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት እንተልዩ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እቲ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ፀሊም ደሮና ብዝምልከት ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ኢትዮጵያ ክሊ ትግራይ ነበርቲ አዘራሪብና'ለና።

ካብ ከተማ ማይ ጨው መምህር ጋሻው ተፈሪ ፣ ካብ መኾኒ ኸአ አቶ ፀጋይ ገብረመድህን ሓጎስ'ዮም። መጀመርያ መምህር ጋሻው ተፈሪ ካብ ማይ-ጨው ዝርአዮ ብምግላፅ ይጅምር።

XS
SM
MD
LG