ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ዳግም ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ጀሚሩ


U.S.DOS
U.S.DOS

እቲ ዝውሃብ ቪዛ ግን ንበጻሕቲ`ምበር ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ንዝደልዩ ኣይኮነን

Matthew Petit ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሚንስትሪ ወጻኢ ዩ.ኤስ ሓላፊ ሰደቓ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን`ዩ።

"ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢምባሲ U.S ንኤርትራውያንን ኣብ`ታ ሃገር ንዝነብሩ ኻልኦትን፡ Non-Immigrant Visa ክህብ ክኢሉ`ሎ" ይብል ንሱ።

እቲ ቪዛ ዝውሃብ በጻሕቲ፡ ሰብ-ቢዝነስ፡ ንሕክምና ዝደልዩ፡ ተመሃሮ ከምኡ`ውን ብመንግስታዊ ስራሕ ዝመጹ ምዃኖም`ውን ዘርዚሩ`ሎ።

ስለምንታይ ኣብዚ እዋን ክጅመር ክኢሉ ንዝብል ሕቶ "ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ሓዲሽ ቆንስል ስርሑ ስለ ዝጀመረ ግዚያዊ ቪዛ ዳግም ክንጅምር ክኢልና....እቲ ምኽንያት ናይ ሰራሕተኛ ምምዳብ ጉዳይ`ዩ" ኢሉ።

ኣተሓሒዙ "ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ዕድል ኣገልግሎት ቪዛ ክነቕርበሉ ምኽኣልና ኣዚና ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።

Immigrant Visa ግን ሕጂ`ውን ኣብ ናይሮቢ ወይ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ኢምባሲታት ዩ.ኤስ ኣቢሉ ከምዝሳለጥ ኣዘኻኺሩ`ሎ ማት ፐቲት።

ነቲ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

ንምሉእ ሓበረታ ድማ ኣድራሻ ነዚ ዝስዕብ ኢምባሲ ኣመሪካ ተወከሱ፡ http://eritrea.usembassy.gov/non-immigrant_visas.html

U.S.Embassy.Asmara
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:55 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG