ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እቲ ጥሪ 21 ኣብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝተራእየ ፍፃመ ከም ሓደ ኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ ኢና ንርእዮ - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ


Map of Eritrea and Ethiopia
Map of Eritrea and Ethiopia
እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብ'21 ጥሪ ዝተራእየ ፍፃመ ከም ሓደ ኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ ኢና ንርእዮ ክብል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ - ስድህኤ ገሊፁ።

ተአሲሮ ዝበሃሉ ዘለው'ውን ከም ዝተኣስሩ ተኣማኒ ሓበሬታ አለና ክብሉ ኣቦ መንበር'ቲ ሰልፊ አቶ መንግስትአብ አስመሮም ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር አቶ ግርማ አስመሮም ብፅሑፍ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ፣ ብዛዕባ'ዚ ናይ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ፍፃመ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ብዛዕባ'ቲ ወታሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ መንግስ ተባሂሉ ዝተፀወዔን ብሚድያ ዝተዋደደ ወፍሪ መጋገይ ሓበሬታ ይካየድ'ሎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣብቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም ፣ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ፈፂሙ አይነበረን፣ እዚ ብርግፀኝነት ገሊኦም ወገናት ዝሓልምዎ'ዩ እብል ኢሎም።

ሙሉእ ጥሕዝቶ ንምስማዕ ናብ ምልክት ዽምፂ ብምኻድ ጠውቁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:38 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG