ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትቀርበሉ ጊዜ ይናዋሓለይ ትብል


ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ንክንበር ንዝፅውዕ ረቂቅ ውሳነ ድምፂ‘ዶ ይዋሃበሉ? ኣብ ዝብል ሕቶ ምስሕሓብ ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕድል ንክዋሃቦም ከምዝተወሰነ ማዕኸናት ዜና ፀብፂበን‘ለዋ።

ብመሰረት‘ዚ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ቅድሚ ምውሳኑ፣መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኣፈወርቂ ቀሪቦም ንክስምዑ ዝተዋሃበ ጊዜ ንክናዋሕ ኤርትራ ምሕታታ ተገሊፁ።

ምንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ከምዝገለፅዎ፣ኤርትራ ነቲ ሕቶ ቅድሚ ወርሒ ኣቅሪባ መልሲ ዝረኸበት ረቡዕ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG