ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ብወግዒ ንመንግስቲ ሱማሊያ ብምድጋፍ ብሕቡእ ድማ ምስ እስላማዊያን ኣኽረርቲ ርክባታ ቀፂላ ክብል ፀብፃብ ሕቡራት መንግስታት ኸሲሱዋ


Araya Desta
Araya Desta
ኤርትራ ንሓድሽ መንግስቲ ሱማሊያ ብወግዒ ብምድጋፍ ምስ እስላማዊያን ኣኽረርቲ ጉጅለታት ድማ ርክባታ ብምቕፃል ኣብ ጉዳይ ሱማሊያ ድርብ መርገፂ ሒዛ’ላ ክብል ፀብፃብ ሕቡራት መንግስታት ኸሲሱ።እቲ ሪፖርት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተሪር ነቐፌታ ቐሪቡዎ’ሎ።

ኤርትራ ንናይ ሱማሊያ ምርግጋእ ትጎድእ’ላ ይብል ብናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኮሚቴ ተቖፃፃሪ ማዕቐባት ዝቐረበ ሪፖርት።እታ ዕፅውቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃገር ኣብ ሱማሊያ ምስ ኣበጋዛትን/ዎርሎርድስ/ መራሕቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብን ሓዊሱ ምስ ረበሽቲ ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ ክብል እቲ ናይ ክኢላትታ ጉጅለ ኸሲሱ።

እቲ ሪፓርት ንኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኣብ ኢንተርኔት እውን ተለጢፉ ነይሩ።እንተኾነ ቀዋሚት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ሩስያ ንናይቲ ሪፖርት መደምደብታ ብወግዒ ተቓዊማቶ’ላ።እቲ ዓመታዊ ስነድ ንኸውይሕተም ገይራቶ’ላ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ኣምባሳደር ጀፍሪ ዲ ላውረንቲስ 15 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ እቲ ተቖፃፃሪ ኮሚቴ ብዝጠቐሶም ብገሊኦም ነጥብታት ኣዝዩ ተሻቒሉ’ሎ ምባሎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱዎም።ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ኣወንታዊ ጊደ ንኽትፃወት’ውን ፀዊዖም፤ዲ ላውረንቲስ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣርኣያ ደስታ ብቴሌፎን ኣብዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ ነቲ ሪፖርት ትርጉም ኣልቦ ኢሎምዎ ኣለው።መንግስቶም ንኣል-ሸባብ ወይ ኣንፃር ሓድሽ መንግስቲ ሱማሊያ ንዝዋጋእ ንዝኾነ ይኹን መራሕ ዓሌት ደጊፉ ኣይፈልጥን ኢሎም።’’ፌደራላዊ መንግስቲ ሱማሊያ ሰላምን ምርግጋእን ንኸስፍን ንደልዮ ኢና፤ኮላይ ሓድነታ።’’ መርገፂ መንግስቶም እዚ ስለዝኾነ ምስቲ መንግስቲ ንተሓባበር ኣለና፤ኢና ዘለና።ምስ ኣበጋዛት ንምርኻብ እውን ኣየድልየናን ኢሎም።

እቲ ናብ 500 ገፅ ዝፅጋዕ ሪፖርት ዝርዝር ጉዳያት ሒዙ’ሎ።’’ብምኽንያ ናይ ኤርትራ ዓለምለኸ ተነፅሎ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ዘይትሓጎሱ ምስ ምህላዎ ኣብ ሓድነት መሪሕነት ኤርትራ ምንቕቓዕ ኣሎ፣ብሃበ ተረኽበ ኣሽሓት ምእሳሮን ኣትሓሕዛ ካብ ዕደና ዝርከብ ሚሊዮናት ዶላር ግልፂ ዘይምዃኑን’’ ዝበሎም ዝሓዘ እዩ።

እቲ ጉጅለ ተቖፃፃሪ ማዕበል ስደት ኤርትራዊያን መናእሰይ የጋጥም ኣብዘለሉ እዋን ምንስቴር ሓበሬታ እታ ሃገር ሓዊሱ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ስልጣን ዝነበሩ እውን ምኽድዖም ይጠቅስ።
እቲ ጉጅለ ድርብ ረብሓ ዘለዎም ናውትታት ካብ ቻይና ናብ ኤርትራ ምእታዎም ዘረጋግፅ መርትዖ ረኺበ ኣለኹ እውን ኢሉ’ሎ።

ሩሲያ እቲ ሪፖርት ተቐባነት ንኸይህልዎ ምቀዋማ ዕግበቶም ገሊፆም ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ።ናይቲ ኮሚቴ ስራሕ ጎደሎ ከምዘለዎ ብዙሓት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝተሰማምዑ’ውን ይገልፁ። ብሪታኒያ ሓዊሱ ምስቲ ሪፖርት ዘይሰማምዑ ብርክት ዝበሉ ኣባልት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣለው ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ሪፖርት ኣብ ምስናድ ዝተጠቐምሉ ኣገባብን ናይ ድሕሪት ምኽንያት እቶም ፀሓፍትን ክምርምሮ ፀዊዖም ኣምባሳደር ደስታ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ኣይድግፍን ክብል ብተደጋጋሚ ይነፅጎ።ነቲ ዓለምለኸ ድገፍ ዝነበሮ ዝሓለፈ መሰጋገሪ መንግስቲ ሞቓድሾ ምርግጋእ ንኸይህልዎ ብድሕሪት ትሰርሕ ነይራ ንዝብሉ ኽስታት እውን ይነፅጎ መንግስቲ ኤርትራ።

ኣብ 2009 ኣ/ፈ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበሩ ማዕቐባት ኣብ ሓሶት ዝተመስረቱ ስለዝኾኑ እቶም መቕፃዕትታት ክልዓሉ ኣልዎም ብምባል ክትሓትት ፀኒሓ’ላ።
XS
SM
MD
LG