ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ዝተረኸባሉ አኼባ ጉዳያ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ምቅራባ ዝምልከት 2ይን ናይ መወዳእታን ኽፋል


UN HQ
UN HQ

ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኤርትራን ጎረባብታን ዝተረኸባሉ አኼባ ትማሊ 19 ሓምሌ 2011 ዓ.ም ኣብ ኒዮርክ ኣካይዱ።

ባይቶ ፀጥታ ነቲ አኼባ ዘካየዶ መንግስቲ ኤርትራ ብዘቅረቦ ሕቶ መሰረት ምኻኑ ኣብቲ አኼባ ዝተረኸቡ አቶ የማነ ገብረአብ ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ገሊፆም'ዮም።

አቶ የማነ ገብረአብ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳያን ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ዘለዋ አረአእያን ብዝምልከት ንአባላት ባይቶ ፀጥታ ንኽትገልፅ ብዘቅረበቶ ሕቶ መሰረት'ቲ አኼባ ምክያዱ ገሊፆም።

እቲ አኼባ ንኽካየድ ዝሓተተት ኤርትራ'ያ ፣ ምኽንያቱ ኸአ "መንግስቲ ኤርትራ እቲ አኼባ ንክግበር ዝሓተተ ነቲ ዞባ ይህውኽ ከምዘሎ ጭቡጥ መርትዖታት ከም ዝተረኽቦ ስለ ዝፈለጠ ተረቢሹ'ዩ" ክብሉ አቶ ዋሀደ በላይ በዓል-ስልጣን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።

አቶ ዋሃደ በላይ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ምንባሩ ኤርትራ ፀባያ አመሓይሻ እንተኾይና ንምቁፅፃር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘ ሞኒተሪን ጉሩፕ ዝተባህለ ጉጅለ ንኤርትራ ብከቢድ ዝኸስስ ፀብፃብ ከምዘዳለወ ተዛሪቦም።

ምስ አቶ የማነ ገብረአብን አቶ ዋሃደ በላይን ዝተኻየድ ቃለ-መጠይቅ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ቀሪቡ'ሎ።

ንምስምዑ ኣብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG