ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኤርትራን ጎረባብታን ዝተረኸባሉ አኼባ ኣካይዱ


ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኤርትራን ጎረባብታን ዝተረኸባሉ አኼባ ትማሊ 19 ሓምሌ 2011 ዓ.ም ኣብ ኒዮርክ ኣካይዱ።

እቲ አኼባ ንኽካየድ ዝሓተተት ኤርትራ'ያ ፣ ምኽንያቱ ኸአ "መንግስቲ ኤርትራ እቲ አኼባ ንክግበር ዝሓተተ ነቲ ዞባ ይህውኽ ከምዘሎ ጭቡጥ መርትዖታት ከም ዝተረኽቦ ስለ ዝፈለጠ ተረቢሹ'ዩ" ክብሉ አቶ ዋሀደ በላይ በዓል-ስልጣን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።

አቶ ዋሃደ በላይ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ምንባሩ ኤርትራ ፀባያ አመሓይሻ እንተኾይና ንምቁፅፃር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘ ሞኒተሪን ጉሩፕ ዝተባህለ ጉጅለ ንኤርትራ ብከቢድ ዝኸስስ ፀብፃብ ከምዘዳለወ ተዛሪቦም።

ባይቶ ፀጥታ ነቲ አኼባ ዘካየዶ መንግስቲ ኤርትራ ብዘቅረቦ ሕቶ መሰረት ምኻኑ ኣብቲ አኼባ ዝተረኸቡ አቶ የማነ ገብረአብ ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ገሊፆም'ዮም።

አቶ የማነ ገብረአብ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳያን ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ዘለዋ አረአእያን ብዝምልከት ንአባላት ባይቶ ፀጥታ ንኽትገልፅ ብዘቅረበቶ ሕቶ መሰረት'ቲ አኼባ ምክያዱ ገሊፆም።

ምስ አቶ የማነ ገብረአብ ዝተኻየድ ቃለ-መጠይቅ ትማሊ ቀሪቡ'ዩ። ሎሚ ኸአ ምስ አቶ ዋሃደ በላይ ዝተኻየድ ቃለ-መጠይቅ ቀሪቡ'ሎ።

ንምስምዑ ኣብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG