ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ዓሚ ንአልሻባብ ምድጋፋ መርትዖ አይረኸብኩን ኢሉ ተቆጻጻሪ ጉጀለ


ኤርትራ ንእስላማዊ ጉጅለ ሚሊሽያ አልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምድጋፋ መርትዖ አይረኸብኩን ክብል ንኩነታት ኤርትራን ሶማልን ንኽቆፃጸር ዝቆመ ጉጅለ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ አፍሊጡ።

እቲ መግለፂ ድሕሪ ምውፅኡ ኤርትራ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተገብረ 'ዘይፍትሓዊ' ክትብል ዝገለፀቶ ማዕቀባት ይለዓል ክትብል ሓቲታ'ላ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር አርኣያ ደስታ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ሓፂር ቃለ-መጠይቅ፡ ኤርትራ ንአልሻባብ አይሓገዘትን ክንብሎ ዝፀናሕናን ዘለናን'ዩ። ሕጂ ብዛዕባ'ዚ መርትዓ አይረኸብናን ይብሉ'ለው። ስላዚ ባይቶ ፀጥታ ነቲ ማዕቀባት ናይ ምልዓል ሓላፍነት አለዎ ኢልና ንሓትት አለና ኢሎም።

እንተኾነ እቲ ጉጀለ ኣብቲ መግለፂኡ ኤርትራ ገና ንውሳነታት ሕቡራት መንግስታት ትጥሕስ'ላ ኢሉ'ሎ።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG