ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሱዳን ንመገሻ ኤርትራ ኣትዮም


Omar Al bashir
Omar Al bashir
ፕረዚደንት ሱዳን ኦማር ኣልባሽር ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊ ዛዕባታትን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዝርራብ ኣስመራ ከምዝኣተው ተገሊፁ።

ብመሰረት ሱዳን ትሪብዩን፣ኣማኻሪ ምንስትር ፕረዚደንት፣ምንስትር ወፃኢን ዳይረክተር ስለያን ድሕነትን ምስ‘ቶም ፕረዚደንት ተጓዒዞም‘ለው።

ፕረዚደንት ኣል-ባሽር ብጠንቂ ኣብ ዳርፉር ዝተፈፀመ ቅትለት፣ብገበን ሰብኣዊነት ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ከምዝድለዩ ዝዝከር‘ዩ።ኤርትራ ኣባል ኣይኮነትን፣ነቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ‘ውን ከምዝኾነነቶ ይዝከር።

መገሻ ፕረዚደንት ኣል-ባሽር ይፍፀም ዘሎ፣ብምኽንያት ኣባይ/ናይል ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ግብፅን ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን‘ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ሪኢቶኦም ዝሃቡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ማይ ኣባይ/ናይል፣ፖለቲካዎ ቁርቁስ እንተዘይተሓዊስዎ፣ንግብፅን ኢትዮዽያን ይኣክል‘ዩ ኢሎም ነይሮም።

ኤርትራ፣ኣብ ውዳበ ምትሕግጋዝ ውዕል ናይል፣ናይ ተዓዛብነት መንበር ከምዝሓዘት ይፍለጥ።

ሱዳን ብወገና፣ኢትዮዽያ ካብ ማይ ኣባይ ንክትጥቀመሉ ከምትድግፍ ሓደ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ሱዳን ከምዝገለፀ ይፍለጥ።
XS
SM
MD
LG